
ሃገር ረመጽ ኮይናቶም ዝሓሸ ናይ ናብራ ዕድላትን ናይ ምንባር ነጻነትን ንምርካብ ናብ ስደት ኣብ ልዕሊ ዘምርሑ መንእሰያት፡ ንዝሓለፈ ከባቢ 20 ዓመታት ብተመልከተይ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብሰንበት 14 ሚያዝያ 2025 ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ ኣብ ልዕሊ”ቶም ካብ ጭቆና ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ የለን ብምባል ብዶባት ትግራይ ናብ ገርሁ-ስርናይ ወረዳ ደገብሲ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፡ ብተመልከተለይ ኣድራጋ ጠያይት ክትኩስ ከምዝተሰምዐን፡ ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰብ ውን ሓደጋ ከምዘብጽሐን፡ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝለኣኩልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ኣብ ዶባት ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፡ ናይ ተኲስካ ቅተል ትእዛዝ ሂቡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይ ሞት ፍርዲ ኣዊጁ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ሰንበት ወጋሕታ ዝፈጸሞ መጥዋዕቲ፡ ሽዑ ንሽዑ ሂወቱ ንዝሓለፈ ተወላዲ ገርሁ ስርናይ ንዝኮነ ደላላይ፡ ሬሱኡ ኣብ ቃልዕ ቦታ ከምዝደርበዩዎ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ተሃሪሙ ካብ ሞት ዝተረፈ ካልኣዩን፡ ከባቢ 50 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ሰጋሮን ብጥርኑፍ ብምእሳር ናብ ኤርትራ ከምዝወሰድዎም”ዮም ምንጭታት ኤሪፒኤም ዝገልጹ።
ኣብ ግርሁ ስርናይን ከባቢኡን ሰራዊት ትግራይ ይኹን ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ስለዘየለዉ፡ ካብ ገርሁ ስርናይ ክሳብ መስመር ሆያን ዕዳጋ ሮቡዕ ዝርከብ ከባቢታት ጉጅለ ህግደፍ ከምድላዩ ከምዝንቀሳቀሰሉ ዝገለጹ ምንጭታታና፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ዝተሰምዐ ብርቱዕ ድምጺ ጠያይት ምልሻታት እቲ ከባቢ ውን ናይ ውግእ ኩነታት ዝተፈጥረ መሲልዎም ናብ ከባቢታት እንትጮ ከምዘርሓቁን፡ ኣብ’ዚ ሰዓት ወሰናስን ዶባት ኤርትራን ትግራይ ብጠቅላላ፡ ብናይ እዝንን ዓይንን ሓበሬታ ዝህቡ ስለያታት እቲ ጉጅለ ተጎቢኡ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
በቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ሂወቱ ዝሰኣነ መንእሰይ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ብምኳን ካብ ኤርትራውያን ሰጋሩ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ክቅበል ዝጸንሐን፡ መርበባት ዘርጊሑ ኣብ ንግዲ ደቂሰባት ተዋፊሩ ዝነበረን ምኳኑ ዝገለጹ እቶም ምንጭታታ፡ ድሕሪ”ቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ኣብ ከባቢ እቲ ዶባት ዝነብሩ ካልኦት ሲቪላውያን ውን፡ ክሳብ ሩባ በለሳ ብምንቅስቃስ ካብ ኢድ ጉጅለ ህግደፍ ዝሃደሙ መንእሰያት ብምድጓን፡ ናብ ደላሎ ይሸጥዎምን ከም ዓቢ ምንጪ ኣታዊ ይጥቀሙሎምን ምህላዎም ብምጥቃስ፡ በቲ ጉጅለ ይኹን በቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ሂወት ኤርትራውያን ኣብ ክልተ ሓዊ ተቀርቂሩ ክትሪኢ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ሃገር ምሉእ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ውልቀመላኺ ምሕደራ ብምሕያር፡ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ንኲናት ዝዳለወላ ኤርትራ ፈጢሩ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ”ቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ንኲናት ዝዕድም ምትፍናን፡ መንእሰያት ሃገር ብዘየዕርፍ ግፋን ወተሃደራዊ ተዓሊማትን የጨንቅ ምህላዉ ዝገለጹ ገለ ብሰላም ዝሰገሩ ኤርትራውያን፡ እቲ ኩነታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝነብር መንእሰይ ከቢድ ስጋኣት ስለዝፈጠረሉ፡ ዕላል መንእሰያት መውጺኢ ምንዳይ ጥራሕ ኮይኑ ምህላዉ”ዮም፡ ኣብ ሓበሬቶኦም ገሊጾም ዝርከቡ።