
ቻይና ንቦይንግ ንፕረዚደንት ትራምፕ ብዝወሰዶ ልዑል ቀረጽ ሕነ ንምፍዳይ ዝኣዘዘተን ነፈርቲ ክመልስ ከምዝኣዘዘት ሓላፊ ኣመሪካዊ ትካል ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ ኣፍሊጡ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቦይንግ ኬሊ ኦርትበርግ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ንግዳዊ ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ናብ ቻይና ዝዓለማ ክልተ ነፈርቲ ቦይንግ ከምዝተመልሳ ገሊጻ።
ሓላፊ ናይቲ ዓቢ ኣፍራዪ ነፈርቲ ንሲኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዓመት 50 ነፈርቲ ንቻይና ክሸይጥ መደብ ከምዘለዎ እኳ እንተገለጸ፡ ዓደግቲ ግን ነተን ነፈርቲ ንምቕባል ዝኾነ ተገዳስነት ከምዘየርኣዩ ይፍለጥ።
ኣመሪካ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ቻይና 145 ሚእታዊት ቀረጽ ድሕሪ ምቕማጣ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ናብ ሃገራ ካብ ዝኣቱ ኣቑሑት ኣመሪካ 125 ሚእታዊት ግብሪ ኣንቢራ።
ካብ ቻይና ሕነ ክፍደዮ ምዃኑ ዝተፈራርሐ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ቻይና ዘለዎም ንግዳዊ ዝምድናታት ክመሓየሽ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ። እቲ ዝተቐመጠ ታሪፍ “ብዓቢኡ ክጎድል’ዩ፡ ግን ከኣ ዜሮ ከምዘይኮነ” ገሊጹ።
ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ቦይንግ ግን ሳዕቤን ውሳነ ትራምፕ “ቻይና ብሰንኪ እቲ ቀረጽ ንነፈርታ ትእዛዝ ምቕባል ደው ኣቢላቶ ኣላ” ኢሉ።
ቦይንግ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ሰደድ ዝገብር ትካል ኮይኑ፡ 70 ሚእታዊት ንግዳዊ ነፈርቲ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ ዕዳጋታት የቕርብ።
ነተን ነፈርቲ ልዑል ጠለብ ዕዳጋ ከምዘሎ ዝገለጸት ቦይንግ፡ ቻይና ዝነጸገተን 41 ነፈርቲ፡ ተሰሪሐን ንመሸጣ ድሉዋት ኮይነን፡ ንኻልኦት መንገዲ ኣየራት ናይ ምሻጥ ኣማራፂ ይግምግም ከምዘሎ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ገሊጹ ።