
ሰብመዚ ሩስያ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሩስያ ሜጀር ጀነራል ያሮስላቭ ኣብ ከባቢ ሞስኮ ብዝተፈጸመ ናይ መኪና ቦምብ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጦም።
እቲ ጀነራል በቲ ከባቢ እናሓለፈ እንከሎ፡ ናይ መኪና ቦምባ ከምዝተፈንጀረ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ RT ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ “ሞስኮ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ንምቁራጽ ምስ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ድልውቲ እያ ነይራ፡ እንተኾነ ግን ደው ኢልካ ምሕሳብ የድሊ” ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሩስያ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዘመሳስል ሙዃኑ ጋዜጣ ዘጋርድያን ሓቢራ።