
ኣብ ትሕቲ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (AUSSOM) ሰራዊት ዘበርከታ ሃገራት ኣኼባ ኣብ ኡጋንዳ ኣካይደን።
እተን ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ጅቡቲን ሶማልያን፡ ኮይነን እቲ ዋዕላ ብቐንዱ ኣብ ምሕያል ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያን እቲ ዞባን ዳግማይ ምልዕዓል ግብረሽበራ ንምምካትን ዘተኮረ እዩ ነይሩ።
ንልኡኽ ኢትዮጵያ ዝመርሐት ሚኒስተር ምክልኻል ኢንጂነር ዓይሻ መሓመድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ክልተኣዊ ስምምዓት መሰረትን ኣብ ሶማልያ ንሰላምን ምርግጋእን ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ግቡእ ኣፍልጦ ክወሃቦ ከምዘለዎ ኣመልኪታ።
እዚ ድጋፍ ቀጻሊ ከምዝኸውን እውን ገሊጻ። ሃገራትን መሻርኽትን ብሓባር ብምስራሕ ኣድላዪ ባጀትን ሎጂስቲክስን ከቕርባ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣልሸባብ ምግስጋስ ደው ምባል ኣገዳሲ ስለዝኾነ።
እታ ሚኒስተር ኣብ ርእሲ ኣውሶም ሃገራት ነቲ ግብረሽበራዊ ሓይልታት ብኣድማዒ መንገዲ ንምምካት ክልተኣዊ ደገፍ ክገብራ ከምዘለወን እያ ገሊጻ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ኣፍሪቃውያን ብመንፈስ ፓን ኣፍሪቃውነት ንመንግስቲ ሶማል ክድግፉ ትጽውዕ ምህላዋ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።