
ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዓሰርተታት ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ምስ ሑቲ ዝምድና ዘለወን ማዕከናት ዜና ይሕብራ።
እቲ መጥቃዕቲ ፡ ብውሕዱ 68 ሰባት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተቀትሉ 47 ድማ ከምዝቆሰሉን ማዕከናት ዜና ሑቲ ሓቢረን።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሓላፍነት ዝስከም ማእከላይ ትእዛዝ ሰራዊት ኣመሪካ (CENTCOM) ብዛዕባ’ቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ እኳ እንተኣበየ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ 800 ዒላማታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ግን ኣሚኑ። ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 250 ሰባት በቲ ወፍሪ ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።
ማዕከን ዜና ሳተላይት ቴሌቪዥን ኣል ማሲራ ትማሊ ኣጋ ምሸት ኣብ ዘውጽኦቶ ጸብጻብ፡ ኣመሪካ ኣብ ሰሜን ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ባኒ ኣልሓሪት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሙዃኑ ሓቢራ ዘላ ።
ኣመሪካ ትማሊ ሰንበት ምሸት ንኣመሓዳሪታት የመን ዓምራንን ሳዓዳን’ውን ከምዝሃረመት ሰበስልጣን ሑቲ ገሊጾም ኣለው
ድሕሪ’ቲ ኣብ ባኒ ኣል-ሓሪት ንከባቢ ታክባን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ “ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ግዳያት ከምዘለው እታ ማዕከን ዜና ጸብጺባ ኣላ ።
ድሒሩ እቲ መደበር ቴሌቪዥን ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ስእላዊ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብምርኣይ፡ ኣብ ልዕሊ መዳጎኒ ምዓስከር ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ
እቲ መዳጎኒ ቦታ ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ኣስታት 100 ሰባት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ስራሕ ዕድል ንምርካብ ንየመን እናሰገሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።