
ብቀዳም ዕለት 26 ሚያዝያ ኣብ ካቶሊክ ዩኒቨርስቲ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ብ ዮሴፍ ናይ መሪሕነት ኣካዳሚ ዝተመወለ ፡
ፖለቲካዊ ጭቆና ኣብ ኤርትራ፡ ጠንቅን ሳዕቤናትን ናይ ዕንወት ህዝብን ሃገርን
ዘድሃበ ዋዕላ፡ 9 ምሁራን ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ደገፍቲ ቃልሲ ኤርትራውያን ንፍትሒን መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ኣቕሪቦም።
እቲ ዋዕላ ፓስተር/ ዶክተር ዳኒኤል ሃብተይ ተኸፊቱ፡ ዶ/ር ዳኒኤል፡ ንዶ/ር ብርሃነ ወልደሚካኤል ነዚ ኣገዳሲ ዋዕላ ምብጋሱን ምስሳዩን ኣመስጊኑ፡ ንኩሎም ነቲ ዋዕላ ዕዉት ክኸውን ዘበርከቱ ብፍላይ ከኣ ተበግሶ ኣዴታት ዲሲን ከባቢኣን ኩሎም ናይ ዲሲን ከባቢኣን ተቓለስቲ ንፍትሕን ብምምስጋን ከፊቱዎ።
እቲ ናይ መጀመርታን ቀንዲ መልእኽቲ ዘቕረበ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ፡ ኤርትራ ብሓደ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ንሃገር ካብቲ ዝበለጸ ጸጋኣ ዝኾነ መንእሰይ ሓይሊ ኣብዲሙ ዘዕነወን ዝዕኑ ዘሎን ፍጹም ምልካዊ ስርዓት ትምራሕ ከምዘላ ኣስሚሩሉ፡ ኣምባሳደር ሃይለ ወሲኹ፡ ኩሎም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩን ዘለዉን ሰበስልጣን ናይ ሓባር ተሓታትነት ከምዝስከሙ ገሊጹ።
ብምቕጻል፡ ዶ/ር ተስፋሚካኤል ገብረሂወት፡ ኣሰካፊ ሕብረተሰባዊ ኩነታት ኤርትራ ዘርእስቱ መጽናዕታዊ ወረቐት ኣቕሪቡ፡ ብስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስዓቦ ዕንወት ብንጹር ኣቕሪቡዎ። ናይ ዶ/ር ተስፋሚካኤል መጽናዕቲ ከም ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት እሙናት ምንጭታትን ብምጥቃስ ዘቕረቦ ዲሞግራፊካዊ መረዳእታ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብስርዓት ኢሳያስ ዝወረደ ዕንወት ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ብዝእምን ኣረዲኡ።
ቀጺሉ፡ ፕሮፌሰር መንግስኣብ ተስፋዮሃንስ፡ ብድሆታት ውጺታዊ ኣጠቓቕማ ሃገራዊ ጸጋታትን ዓቕምታትን ንዘላቒ ቁጠባዊ ልምዓት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ዘይቅርዑው ምሕደራ ፋይናንስያዊ፡ ዓቕሚ ሰብ፡ ትሕተ-ቕርጽን ጸጋታት ንኤርትራ ዝኾነ ቁጠባዊን ዓቕመ-ሰብኣዊን ምዕባለታት ንኸይትገብር ብከመይ ከምዘሰናኸላ ኣስፊኡ ገሊጹን ኣረዲኡን።
ብምቕጻል፡ ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን፡ ሓደስቲ ፓርክታት ኤርትራ – ምምዕርራይ መንግስታዊ ቁጽጽርን ማሕበረሰብ ማእከል ዝገበረ ምዕቃብ ፓርክታትን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብግቡእ እንተዝተሓዙን ዝመሓደሩን፡ ኣብ ገማግም ባሕርን ደሴታትን ዘለዉ ፓርክታት ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ኤርትራ ኣዝዩ ዓብይ ኣበርክቶ ምሃለዎም፡ እዚ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስ እንርእዮ ዘለና ኣታሕዛን ምሕደራን ግን ኣብ ከባብያዊ ምዕቃብን ልምዓትን እቲ ንጽበዮ ኣወንታዊ ውጽኢት ክረአ ከምዘይክእል ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ፡ ዶ/ር ማይክል ሩቢን ብዛዕባ ዝምዕብል ዘሎ ፖሊሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ድሉውነት ኣሜሪካ ድሕሪ ዘመነ ኢሳያስ ከመይ ይመስል? ንዝብል ዛዕባ ኣስፊሑ ገሊጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩን ኤርትራውያን፡ ኤርትራ ብስርዓት ኢሳያስ ትማሓደር ክሳብ ዘላ ኣብ ቁጥርባዊ ይኹን ማሕነራዊ መዳያት ኤርትራ ምንም ተሳትፎ ክህልዎ ከምዘይኮነ ኣሚኑ፡ ቃልሱ ክሕይል ይግባእ። ዶ/ር ማይክል ሩቢን ምስ ሕ.መ.ኣ ን ክልኦት ሃገራትን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ከምዘድልዮምን ንቃልሶም ባዕሎም ክቕልሱዎ ከምዘለዎምን መኺሩ።
ስዒቡ ብቅዳሕ ቪድዮ መልእኽቱ ዝሰደደ ጋዜጠኛን ደራስን ማርቲን ፕላውት፡ ኤርትራ – ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓለማት፡ ጽልዋ’ቲ ሕሉፍ ኣብ ልዕሊ’ቲ ህሉው ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ኩሉ ግዜ ዘተሓሳስቦ ሓደ ሕቶ፡ እቲ ብዘገርም ትብዓትን ጅግንነትን ንሳላሳ ዓመት ንዝተቃለሰሉ ናጽነት፡ ስለምንታይ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣሕሊፉ ንኢሳያስ ኣሕሊፉ ክህቦ ከምዝፈቐደ ካብቲ ዘገርመኒ እቶም ክቃልስዎ ዝኽእሉ መንእሰያት ብሰንኪ ዘየናሕሲ ኣተሓዝዛ እቲ ስርዓት ሃገሮም ገዲፎም ይወጹ ኣለዉ ኢሉ ገሊጹ።
ኣስዒቡ ፕሮፌሰር ኪዳነ መንግስተኣብ፡ ጽልዋ ምምቕቓል ብሄራት ኤርትራ ኣብ ህንጸት ሃገርን ምስ ጎረባብታ ዘለዋ ዝምድናታትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብዘይካ ብሌን፡ እቶም ካልኦት ብሄራት ብሙሉኦም ኣብ ክልተ ሃገራት ዝተመቕሉ ምዃኖም፡ እቲ ዘለዎም ሓድነት ካብ ስግኣት ዝብገስ ክኸውን ከምዝኽእል ኣተንቢሁ፡ ፕሮፌሰር ኪዳነ ብተወሳኺ ኣስታት 80 ብሄራት ኣፍሪቃ ኣብ ክልተ ሃገራት ወይ ኪንኡ ንላዕሊ ዝተመቕሉ ምዃኖም ኣረዲኡ።
ቀጺሉ፡ ፕሮፌሰር ዳን ኮነል ኣረኣእያ ኤርትራን ኢትዮጵታን ኣብ ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ፡ ነቲ ናይ ማርቲን ፕላውት ሕቶ ደጊሙ፡ እዚ ንምንታይ ኢሳያስ ንኽግብል ብምንታይ ከምዝፈቐድናሉ ከምዝገርሞ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ዓርኪ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝኾነ ዳን ኮነል፡ ኣብ ዲያስፖራ ንነብር ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከነምጽእ እንተዀና፡ ክንጥርነፍ ከምዘለና ምዒዱ።
ናይ መወዳእታ መጽናዕታዊ ወረቐት ብ ዶ/ር ሰላም ኪዳነ፡ ዝተበታተነ ሓድነት ናይ ዲያስፖራ ኤርትራውያንን ዝካየስ ዘሎ ፒለቲካዊ ውድድርን መንነታዊ ቃልስን ብዝብል ኣርእስቲ፡ ምስቲ ኣብ ደምበ ፍትሒ ተስፋ ዝዘርአ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ብዙሕ ብድሆታት ገጢሙዎ እዩ። ብርጌድ ንሓመዱ፡ ንይኣክልን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ነዳዲ ከምዝሃበን መወዳእታ ስርዓት ኢሳያስ ከምዝቐረበ ዘተስፈወ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ንምእላይ ኣብ ዝገብሮ ስትራተጂ፡ ኩሉ መዳያዊ ደገፋት ክግበረሉ ከንዘድልዮ ኣዘኻኺራ።
ኣብ መወዳእታ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ ናይቲ መዓልቲ ጽሟቕ መልእኽቲ ኣቕሪቡ።
ኣስዒበን ተወከልቲ ተበግሶ ኣዴታት ዲሲን ከባቢኣን ንኩሎም ነቲ ዋዕላ ዕዉት ንክኸውን ዝሰርሑን ወረቓቕቲ ዘቕረቡን ድሕሪ ምምስጋን፡ ንኣበጊሰነኦ ዘለዋ ኣብ ዲፕሎማሲ፡ ስነዳን ፋይናንስን ዘድሃበ ፕሮጀክት ኣላልየን።