
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ውን ካብ 200 ክሳብ 300 ዝግመት ቁጽሪ ዝውንኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብመንግዲ ክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘረከቦም ካብታ ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቶም ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ዝሓለፈ ከባቢ 8 ኣዋርሕ ክሳብ”ዚ ቀረባ ሳምንታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዳጒኖም ዝጸንሑ ምኳኖም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ካብ ኣያት ፓሊስ ጣብያ 46፡ ካብ ጨፌ ፓሊስ ጣብያ 30፡ ካብ ኣንበሳ ጋራጅ ፓሊስ ጣብያ 120፡ ካብ ላፍቶ ፓሊስ ጣብያ 20፡ ካብ ጀሞ ሚካኤል ፓሊስ ጣብያ 15፡ ካብ ሃና ማርያም ፓሊስ ጣብያ 15፡ ካሎኦት ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ’ዚ ሳልስቲ ብጥርኑፍ ብመንገዲ ዓሰብ ኣቢሉ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘረከቦም”ዩ ዘረድእ።
እቶም መንእሰያት ካብ ዝተፈላለየ ጎደናታት፡ ባራት ቤትሻሂ ከሙኡ ውን ካብ መንበሪ ገዞኦም ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ብምንታይ ምክንያት”ዮም ንኤርትራ ከምዝጥረዙ ተጌሩ ግን ዛጊት ንጹር መረዳእታ ዘይምህላዉ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ከባቢ 3 ዓመት፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ”ቲ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዛኣተዎ ምትፍናን፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘነጻጸረ ሃድን ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ውን ኣብ ሰለስተ እብረ ኣስታት 1ሽሕ ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ናብ ጉጅለ ህግደፍ ኣረኪቡ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሃድን ተግባራት፡ ንዓለምለካዊ ሕግታት ዝጻረርን ሰባኣዊ መሰል ስደተኛታት ዝገፍፍን ተግባር ብምኳኑ፡ ብህጹጽ ደው ከብሎ፡ ንኮምሽን ሰባኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊስካ ካብ ብርክት ዝበሉ ተሓለቅቲ ሰባኣዊ መሰል ዝኮኑ ትካላት ክስታት ክቐርቦ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ከምዘይሰጎገ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ኣብ ግዚኡ ነጺግዎ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረከቦም ኣስታት 800 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን፡ ኣብ ከም ዓሰብ ዓዲ ኣብየቶን ኣደርሰርን ዛኣመሰሉ ቤትማእሰርቲ ዳጒንዎም ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እዚ ሕጂ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ውን፡ ኣብ ልዕሊ”ቶም ብላኼማ ዝጥረዙ ዘለዉ ሲቪል ስደተኛታት ዝህልዎ ኣደራዕ ቀሊል ዘይምኳኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተቃለስቲ ፍትሒ ኤርትራውያን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ንዝገብሮ ዘሎ ተግባራት ደው ከብሎ ጸቅጢ ኣብ ምፍጣር ክሰርሑ ከምዝግባእ ተማሕጺኖም።