
ድሕሪ”ቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን፡ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ካብ ዘቝጸረ ውድብ ህወሓት ዝተፈንጨለን ን2 ዓመታት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሐን፡ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ሕዋሓት፡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውዳበ ሒዙ ይቐላቐል ከምዘሎ ተገሊጹ።
መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ መራሕቲ እቲ ክንፊ ምስ ዝኮኑ ኣካላት ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ዘተ፡ ነዚ ሓቂ ከምዘረጋገጸ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓድሽ ኣብ መስርሕ ምዝገባ ዝርከብ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ‘ሊበራል ዲሞክራሲ’ ከም ስነሓሳብ ዝኽተል ውድብ ምኳኑን ‘ትግራይ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ’ ዝብል ውድባዊ መለለዪ ስም ከም ኣማራጺ ሒዙ ይመጽእ ምህላዉን ንምፍላጥ ከምዝከኣለ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየን ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ሓደ ዝኮነን በዓል ስልጣን፡ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ፡ “እቲ ስም ገና በቶም ነቲ ውዳበ ዘንቀዱ ፖለቲከኛታት ከም ኣማራጺ ዝተታሕዘ እምበር፡ ብ ኣዋጅ ዝጸደቀ ዘይምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ሊበራዊ ውድብ ካብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምስ ረኸበ ግን፡ ስም እቲ ውድብ ኣብ ጉባኤ ቀሪቡ ክመሓየሽ ከምዝኽእል’ዩ” ኣረዲኡ ዝርከብ።
ኣብ ክልተ ተመቒሉ ነንባዕሉ ክካሰስ ዝጸንሐ ውድብ ህወሓት፡ በቲ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘቐመጦ ናይ ግዜ ገደብ መሰረት፡ ተሳንዩ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ፡ ካብ መዝገብ ውድባት ፖለቲካ እታ ሃገር ናይ ምስራዝ ተኽእሎኡ ኣመና ዛይዱ ምህላዉ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ገጢምዎ ዘሎ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዛትዩ ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረመ ውድብ ከም ምኳኑ መጠን፡ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዘውጾኢ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ መሰረት፡ ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ቅኑዕ ኣይኰነን ብምባል ንመንግስቲ ፈደራል ክነቕፍ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።
ምስራዝ ህወሓት ከምዘሻቐሎ ዝገልጽ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ቅድሚ ዝተወሰነ ሰሙናት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ምስቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ሓቢሮም ጉባኤ ከካይዱ ከምዝደልዩ ገሊጾም ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ካብቲ ውድብ ዝረከብዎ እወታዊ መልሲ ብዘይምህላዉ፡ “ሕጋውነት ህወሓት ስለዘብቅዐ ዕላማ ህወሓት ክነዕውተሉ ዘኽእለና ሓድሽ ውዳበ ክንምስርት ተገዲድና ኣለና” ብምባል፡ ዓንዲ ሕግን ፕሮግራማትን እቲ ክምስርትዎ ዝሓስቡ ዘለዉ “ትግራይ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ” ዝተሰምየ ውድብ ኣጻፊፎም፡ ናይ ደገፍ ፊርማ ኣብ ምትእኽኻብ ከምዘለዉ”ዩ ንቢቢሲ ገሊጹ ዝርከብ።
ውድብ ሊበራል ትግራይ፡ ክማላእ ዝግቦኦ ረቛሒታት ገና ስለዘየማለአ፡ ናብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘቕረብዎ ወግዓዊ ሕቶ ከምዘየለ ዝጠቀሰ እቲ በዓል ስልጣን፡ ይኩን እምበር እቲ ቦርድ ብዛዕባ እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ምስረታ ምንቅስቓስ ግን እኹል ኣፍልጦ ከምዘለዎ”ዩ ወሲኹ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ኣብ መስርሕ ምስረታ ዝርከብ ውድብ፡ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዝንቀሳቐስ ክልላዊ ውድብ ኮይኑ፡ ካብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ግንቦት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምክያድ ዘኽእሎ ‘ቅድመ ኣፍልጦ’ ክረክብ ትጽቢት ይግበረሉ።