
ፈረንሳ እትመርሐን ሃገራት ብዝእክብኦም ሽበራውያን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ኢብራሂም ትራኦረ ብርክት ዝበለ ፈተነ ቅትለት ክካየድ ድሕሪ ምቅናዩ፡ ሩስያ ንፕረዚደንት ኢብራሂም ትራኦረ ንምድጋፍ ልዑል ስልጠና ዝወሰደ ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ ናብ ቡርኪናፋሶ ከምዝለኣኸት፡ ምንጭታት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም።
ሩስያ፡ ብፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን ዝምራሕ ፍሉይ ናይ ቅንጸላ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢብራሂም ትራኦረ ተደጋጋሚ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ናብ ቡርኪናፋሶ ፍሉይ ሓይሊ ክትሰድድ ከምዝተገደደት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ናብ ቡርኪናፋሶ ኣምሪሑ ዝርከብ ሰራዊት ሩስያ፡ ንቀንዲ መዕርፎ ነፈርቲ ቡርኪናፋሶ ክቆጻጸሮ ትእዛዝ ተቐቢሉ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ብዘይካ ሩስያ፡ ሰሜን ኮርያን ቻይናን ውን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢብራሂም ትራኦረ ዝኾነ ይኹን ነገር ምስ ዘጋጥም ስቅ ኢለን ክዕዘባ ከምዘይኮና ምግላጸን፡ ኣብ ዜናዊ ሓበሬቱኡ ዝጠቀሰ ማዕከን ሓበሬታ ቡርኪና 24፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራሒ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እታ ሃገር ዓቢ ፍርሕን ስክፍታን ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ኣብ ጎኒ ኢብራሂም ትራኦረ ክሳብ ዝሃለወት እቲ መራሒ ሓደጋ ክገጥሞ ይክእል”ዩ ዝብል ስክፍታ ከምዘይብሎም ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ፕረዚደንት ሃገር ናይ ምእሳር መሰል ከምዘይብለን ክርዳኣ ይግባእ ድሕሪ ምባል፡ ሩስያ ኪንዮ ንግዳዊ ምትእስሳር፡ ጸጋታት ቡርኪናፋሶ ናይ ምዝማት ዕላማ የብላን ክብል ገሊጹ ይርከብ።