
ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮነ የማነ ገብረመስቀል ቻርሊ፡ ትማሊ ረቡዕ 30 ሚያዝያ 2025 ኣብ ውልቃዊ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ዝብ ዝጠቅዖ ጽሑፍ፡ ናይ ፖለቲካ ጉጅለታት ኢትዮጵያ፡ ግዛኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ናይ ምቁጽጻር ምንዮት የንጸባርቑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።
ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣብ መግለጺኡ፡ ኢሊታት ኢትዮጵያ ሉሉላዊ ግዛኣት ኤርትራ ናይ ምግባት ባህጎም፡ ብምፍርራሕን ዝተዛብዐ ናይ ታሪኽ ስነሞጎትን ብምቅራብ ከረጋግጽዎ ይህቅኑ ኣለዉ ዝበለ ኮይኑ፡ በዚ ምክንያት ጉጅለ ህግደፍ ትዕግስቱ ይውድእ ምህላውን፡ ቀይሕ መስመር ይጥሓስ ምህላዉን”ዩ ከረድእ ፈቲኑ ዝርከብ።
ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዓዲመ”የ ናብ ኲናት ኣትየ ብምባል፡ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ መንእሰያት ኤርትራ ዘህለቐን፡ ገና ውን መስዋእቲ ካብ ምንጋር ሓንጊዱን ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ደፊሩ ኣብ ልዕሊ ግዛኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብምእታው ዝፈጸሞ ገበናት ኲናት ብምክዋል፡ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመር ትጥሕስ ኣላ ምባሉ ንብዙሓት ዘገረመ ኾይኑ፡ ሉኡላዊ ክብርታት ጎረባብቱ ዘየኽበረ ጉጅለ ብሉኡላዊ ግዛኣተይ ይድፈር ኣሎ ብምባል ካልኦት ክኸስስ ዘይግቦኦ ክነሱ ከሙኡ ክብል ምድፋሩ፡ ናይ ደወል መልእኽቲ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝህንጠየሉ ዘሎ ናይ ጥፋኣት ኲናት ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ምስ ሓይልታት ሕዋሓት ናይ ክልል ትግራይን፡ ሓይልታት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራን ሽርክነት መስሪቱ፡ መንግስቲ ብልጽግና ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ኣብ ስራሕ ምህላዉ ብግልጺ ዛኣወጀ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንውልቃዊ ናይ ጥፋኣት ሸውሃቱ ከርዊ፡ ብሉኡላዊ ክብርታት ሃገር ተጣሊዑ ክነሱ፡ ሎሚ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጾ ዘሎ ግብረመልሲ ከም ቀይሕ መስመር ከቀምጦ ምፍታኑ፡ ዘይወግዓዊ ኣዋጅ ኲናት ካብ ምኳን ዝሓልፍ ዕላማ ከምዘይብሉ”ዩ ዝእመን።