
እስራኤል ድሕሪ”ቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝተፈጥረ ከቢድ ባርዕ ጫካ ኣህጉራዊ ደገፍ ምሕታታ ተገሊጹ።
እቲ ካብ ከተማ ኢየሩሳሌም ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ ዝተፈጥረ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ፡ ብቅልጡፍ ፍጥነት ድሕሪ ምስፍሕፋሑ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወጹ ተኣዚዞም ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እስራኤል ብውሽጣዊ ዓቅምታታ ንምቁጽጻሩ ስለዘይከኣለት ወግዓዊ ኣህጉራዊ ደገፍ ክግበረላ ምሕታታ”ዩ ዝንገር።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ሓበሬታ CNN፡ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ሓያሎ ጽርግያታት ከተማ እዮርሳሌም ተዓጽዩ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ምብላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ብሰንኪ ብርቱዕ ኩነታት ኣየርን ብርቱዕ ንፋስን እናተዘርግሐ ዝኸይድ ዘሎ ባርዕ በረኻ ንምቁጽጻር ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጸሚዶም ወላ”ኳ እንተለው፡ ክቆጻጸርዎ ግን ከምዘይከኣሉ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል፡ እቲ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብፍጥነት ይዝርጋሕ ምስ ምህላዉ፡ ኣብታ ሃገር ግዚያዊ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ ምህላዉ ዝገለጸ CNN፡ ብዝኸዶ ዘሎ ፍጥነት ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከየውረደ እንከሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ደገፍ ክገብር እስራኤል ጻውዒት ኣቕሪባ ምህላዉ”ዩ ዝጠቅስ።
ኣዛዚ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ኢየሩሳሌም ሽሙሊክ ፍሪድማን፡ እቲ ባርዕ ጫካ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር፡ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ሰዓት ብልዕሊ 60 ማይልስ ፍጥነት ይሕንበብ ብምህላዉ፡ ገና ባኣጉኡ ከውርዶ ዝክእል ዕንወት ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን፡ ሰብ መዚ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ክሳራታት ንምቅናስ ንቴልኣቪቭ ምስ ኢየሩሳሌም ዘራኽብ መንገዲ ክዕጾ ከምዝወሰኑ ውን”ዩ ጠቂሱ ዝርከብ።
እስራኤል ትማሊ ረቡዕ ኣብ እዮርሳሌም ዝተወልዐ ባርዕ ጫካ ንምምካት ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ድሕሪ ምሕታታ፡ ሰለስተ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ነፈርቲ ካብ ኢጣልያ ከምዝተቐበለት’ውን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።