
ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሓ ኤርትራ፡ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ።
ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምልካዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ወዲቓ እትርከብ ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2025 ብዝተመዝገበ ቁጽሪ፡ ካብ 180 ሃገራት ዓለም፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዘይብላ ሃገር ብምኳን ኣብ ድሕሪት ከምዝተሰርዐት ተገሊጹ።
ንልዕሊ 20ዓመታት ጋዜጠኛታት ብምሕያር፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣትታት ብምዕሻግን ካልእን፡ ሓሳብ ሓደ ጨኳኒ ጉጅለ ጥራሕ ዝስመዓላ ሃገር ዝሰርሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል ምዕፋን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘለዎም ዝከሓነ ጽልኢ ጉልባብ ክኾኖም ዝፈጠርዎ”ዩ ብምባል ተደጋጋሚ ግዜ ክኽሕዶ ዝስማዕ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ወትሩ 3 ግንቦት ተዘኪሩ ንዝውዕል ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝዘርግሖ ናይ 2025 ዓመታዊ ጸብጻብ ሃገራት፡ ይትረፍ ምዝራብ ምሕሳብ ዘይተፍቅድ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ ኣብ መበል 180 ተርታ ምህላዋ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ብቁጠባውን ወተሃደራውን ዕብየተን ዓበይቲ ሃገራት ዓለም ዝኾና ቻይናን ሰሜን ኮርያን፡ ኣብ ናጽነት ፕረስ ብዝክተሎኦ ረጋጺ ፖሊሲ፡ ብቅደም ተኸተል መበል 178 ከምኡ ውን 179 ተርታ ብምሓዝ፡ ንኤርትራ ዝበለጻ ሃገራት ክኾና ከለዋ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብኩለንትና ዝረመሳ ኤርትራ ግን ናይ ወትሩ ትሑዝ ቦታኣ ምህላዋ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ካብ 2001 ኣትሒዛ፣ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው፡ ዓሰርተታት ጋዜጠኛታት ኣሲራ ክሳብ እዚ እዋን‘ዚ ደሃዮም ብምጥፋእ እትፍለጥ ኤርትራ፡ ነዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት፡ ብናጽነት ፕረስ ምስተን ዝተሓታ ሰለስተ ሃገራት እናተወዳደረት‘ያ ሓሊፋቶ።
ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ‘ተን ብጉጅለ ህግደፍ ዝውነና 12 ገጻት ዘለዋ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ሓንቲ መደበር ራድዮ ድምጺ ሓፋሽ፡ ሓንቲ ድማ መደበር ቴሌቪዥንን ካልእ ብህዝቢ ዝውነን ናጻ ማዕከን ሓበሬታ ከምዘየለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ጸጥታ መሓውራቱ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ኣብ ገዙኡ እንታይ ይሰምዕን ይከታተልን ከይተረፈ ዝጸናጸን ጉጅለ ምኳኑ ውን”ዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዝተመስረታ ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን፣ ብተዛማዲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሃጓፍ ናጽነት ፕረስ ንምምላእ ጻዕርታት ይገብራ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነተን ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝፍነዋ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሳተላይት ቲቪ ንምዕፋን ሚሊዮናት ከፊሉ ኪኢላታት ብምቁጻር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓበሬታ ከይረክብ ኣብ ምህላኽ ምጽንሑ ውን ዝፍለጥ”ዩ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመተ 2025፡ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዓ ቀዳሞት ሰለስተ ሃገራት፡ ኖርወይ፡ ኢስቶንያን ኔዘርላንድስን ምኳነን”ዩ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝገልጽ።