
ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ ብወገን ጋምቤላ ንሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ጥሒሶም ብምእታው ሰፊሕ ከባቢታት ከምዝተቆጻጸሩን፡ ንኣመሓዳሪ ኣውራጃ ናይቲ ከባቢ ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።
ምንጭታት እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዞባ ጋምቤላ ወረዳ ላሬ “ቢልኩን” ንዝተባህለ ከባቢ ጥሒሶም ብምእታው ከምዝተቆጻጸርዎን፡ ንዋና ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ላሬ ውን ቶኪሶም ከምዘቑሰሉዎን ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ብዘይካ’ዚ፡ ነበርቲ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን ወዲቁ ዝተባህለ ከባቢ ውን፡ ናብ ካልእ ከተማ ከምዝሃደሙ’ዮም ገሊጾም ዝርከቡ።
ንደቡብ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዘዋስኑ ክልላት ሓደ ኣብ ዝኮነ ክልል ጋምቤላ ዝንቀሳቀሱ ዕጡቓት፡ ኣብታ ንዶብ ክልቲኤን ሃገራት እተዋስን ክልል ክፍጽምዎ ዝጸንሑ መጥቃዕቲ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ዝፈለመ ምኳኑ ዝጠቀሱ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ኩነታት ንህዝቢ እቲ ከባቢ ብጥርኑፍ ክሃድም ገዲድዎ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቶም ንሉኡላዊ ዶባት ኢትዮጵያ ሰጊሮም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝጋጨዉ ዕጡቓት ምኳኖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኣብ ተቓወምቲ ሱዳን (SPLO) ብዝብል ስም ዝፍለጡ ምኳኖም”ዩ ዘረጋግጽ።
እቶም ዕጡቓት ንሉኡላዊ ዶባት ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ዝገለጸ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ብወገኑ፡ ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ብዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ዶባት ኢትዮጵያ ምህላዎም ዘረጋገጸ ኮይኑ፡እቶም ዕጡቓት ንሃገራዊ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ኣውሪዶም ወሲዶም”ዮም ብምባል፡ እቲ ኩነታት ኣሰካፊ መልክዕ ይሕዝ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
እቶም ዕጡቓት ዶብ ምስ ሰገሩ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ተኹሲ ከምዝኸፈቱን፡ ኣባይቲ ከምዘቃጸሉን ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን፡ ንምንቅስቓስ እቶም ዕጡቓት ስዒቡ “ንህዝቢ ንምህዳእን” “ዶብ ንምዕዛብን” ናብቲ ከባቢ ዝተጓዕዘ ሓላፊ ኣውራጃ ላሬ ኣቶ ቶክ ሞንግ፡ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝቖሰለ”ዩ ሓቢሩ ዝርከብ።