
ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣባጓይላ ህውከትን ዕግርግርን ብምኳን ኣብ ዝመጸ ግጭት ኢዱ ብምሕዋስ ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ነቲ ኣብ ዞባ ፖርት ሱዳን ንዝረአ ዘሎ ደብዳብ ድሮናት ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንምምካት ምስ ሰራዊት ሱዳን ንምስላፍ፡ ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዶባት ሱዳን የጸግዕ ምህላዉ ኢዩ ዘሓበሻ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።
ክልተ ዓመቱ ሒዙ ኣብ ዝርከብ ግጭት ሓድሕድ ሱዳን፡ ንገለ ክፋል ሱዳን ተቆጻጺሩ መንግስቲ ብምኳኑ ንሱዳን ኣብ ክልተ ገሚዑ ዝርከብ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ፡ ንከተማ ካርቱም ገዲፍዋ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኣብታ ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን ተኺላ እትርከብ ፖርት ሱዳን፡ ብነብሰቅትለታውያን ድሮናት ኣዚዩ ሓያል ተከታታሊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻም፡ ዓቢ ናይ ነዳዲ ትፖታትን በይዝ ሓይሊ ባሕሪ ሱዳንን ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ግጭት ሰራዊት ብምዕላምን ኣጽዋር ብምቅባልን ቅሉዕን ስውሩን ምትእትታው ኣብ ምግባር ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ናብ ከባቢታት ፖርት ሱዳን ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ብፈጣናት ጀላቡ የጸግዕ ምህላዉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዶባት ሱዳን ዘጸግዕ ዘሎ፡ ድሕሪ”ቲ ብኢማራት ዝድገፍ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ከካየዶ ዝቀነየ ናይ ድሮናት መጥቃዕቲ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምዕናዉ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ንከይትፈርስ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዘጥፈአ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ ውን ብስም ምርግጋእ ሱዳን መንእሰያት ኤርትራ ናብ ሓዊ ንምጥጣቆም ይሃልኽ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ጉጅለ ህግደፍ ናብ ዶባት ሱዳን ዘጸግዖ ዘሎ ብፈጣናት ጀላቡ ዝምራሕ ሰራዊት፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኮይኑ ንዝዓነወ ናይ ሱዳን ሓይል ባሕሪ ተኪኡ ጸረ መጥቃዕቲ ንምክያድ ተልእኾ ከምዝተዋህበ ወሲኩ ዘረደአ እቲ ሓበሬታ፡ ይኩን እምበር እቲ ብሰራዊት ዳዕመል ሰሪዕ ክካየድ ዝቀነየ መጥቃዕቲ፡ ዋንነት ኢማራት ምኳኑ ብዝንገረሉ ኣዚዩ ምዕቡል ናይ ድሮን ቴክኖሎጂ ዝካየድ ብምኳኑ፡ እቲ ካብ ኤርትራ ናብቲ ዶባት ወፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኣብ ቅሉዕ ሓደጋ ክወድቅ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ሃንዳሲ ውግእን ወረ ውግእን ብምኳን፡ ዲሞክራሳዊ ጠላባት ህዝቢ ኤርትራ ንምዕፋን ዝሃልኽ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተካየዱ ኩሎም ግጭታት ኢዱ ክሕውስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ብስም ሓድነት ሱዳን ምስ ሰራዊት ኣልቡርሃን፡ ብስም ጽምዶ ከኣ ምስ ሓይልታት ፋኖን ሕዋሓትን ኣንጻር መንግስቲ ፈደራል ዝቀንዐ ልፍንቲ መስሪቱ፡ መንእሰያት ሃገር ንከንቱ ከህልቆም ይሰርሕ ምህላዉ ካብ ማንም ዝኽወል ኣይኮነን።