
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ትግራይ ንዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ፡ ምዝውዋር ሰባትን ካልእን፡ ዝዝውርዎ ዘለዉ ጥርጡራት ኣካላት፡ መንነቶም ፍሉጣት ምኳኖምን ገለ ገሊኦም’ውን ብፍቓድ ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ካብ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተገብሩን ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስትር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተሾመ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትማሊ ምስ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ብሮድካስቲን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብታ ክልል ንዝካየድ ናይ ገበናት መርበብ ሓበሬታ ዝዝውር ሓይሊ”ዩ ኢሉ ዝጸውዖ ጉጅለ፡ ክፍጸም ዝጸንሐን ገና ውን ይፍጸም ንዘሎ ኩሉ ዓይነት ናይ ገበን ተግባራት ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል”ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ኣብዚ እዋን እዚ ከይተረፈ፡ ብሽም ሓድነት ህዝቢን ግዝኣታዊ ልኡላውነትን፡ ኣብ ትግራይ ናይ ገበን መሓውራት ክቕጽል ይግበር ከም ዘሎ”ዩ ዝኸስስ ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብ ቃለመሕተቱ ዝጠቐሶ ገበናት፡ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዝቀጸለ ኲናት ትግራይ ዝጀመረን ድሕሪኡ’ውን ዝቐጸለን ከም ዝኮነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገበናት ብቐንዱ ተዋፊሮም ዝርከቡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ብሽሞም እንዳረቝሑ እዩ ክስታቱ ኣቐሚጡ ዝርከብ።
ካብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣትሒዝካ፡ ብስም ሓድነት ህዝቢን፡ ሓደ ኢና ዝብል እምነትን፡ ገበነኛታት ናይ ምሕባእን ምክልኻልን ጸገም ነይሩና’ዩ፡ ክብል ዝተኣመነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ካብቲ ኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣቁጺሩ ዝርከብ ውድብ ህወሓት ዝተመቕለን፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕን ክንፊ ሕዋሓት፡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውዳበ ሒዙ ይቐላቐል ከም ዘሎ ውን፡ ካብ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰበስልጣን ንዝተረኽበ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን መደባትና ጠቒስናዮ ምንባርና ዝዝከር”ዩ።
እቲ ብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕን፡ ኣብ ሓድሽ መስርሕ ምዝገባ ዝርከብ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ‘ሊበራላዊ ደሞክራሲ’ ከም ስነሓሳብ ዝኽተል ውድብ ኮይኑ፡ ‘ትግራይ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ’ ዝብል ኣማራጺ ሽም ሒዙ ይመጽእ ከም ዘሎ ውን ኣብ እዋኑ ምግላጽና ኣይርሳዕን።