
ቻይና ንሰራዊት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ግዙፍ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሕክምና፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክዕስክር ከምዝለኣኸት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።
ቻይና ንሓደ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክዕስክርን፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከገልግልን ዝለኣኸቶ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሕክምና፡ ድሮ ናብ ኢትዮጵያ ኣቅኒዑ ምህላዉ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ብወግዓዊ መግለጺ ከምዘፍለጠ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ዝገለጻ ኮይነን፡ ንንጹር ዕላማ እቲ ሉኡኽ ጉጅለ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ተወሳኺ ሓበሬት ግን ከምዘየለ”ዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሕክምና ሰራዊት ናጽነት ህዝብታት ቻይና፡ ናይ መበል 11 ዙር ጉዕዙኡ ጀሚሩ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ ዘሎ ግዙፍ ወተሃደራዊ ሕክምናዊ ጉጅለ፡ 14 ዓበይቲ ዶካትር ዝሓቆፈ ጉጅለ ምኳኑ ውን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ብመሰረት መግለጺ እቲ ቻይናዊ በዓልስልጣን፡ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ተኣሊኹ ዘሎን ዓበይቲ ሰብ ሞያ ሕክምናን ዝሓቆፈ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ቻይና ብመዳይ ሕክምና ካብ ዝለኣኸቶም ወተሃደራውያን ጉጅለታት እቲ ዝዓበየ ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ ክሊኒካዊ ሕክምና፡ ቴክኖሎጂ ሕክምና፡ ምምሕዳር ሆስፒታላትን ካልእን ኣስተዋጽኦ ክህልዎ ምኳኑ ዘረደአ ኮይኑ፡ እቲ ግዙፍ ሕክምናዊ ደገፋት ሎጀስቲክ ሒዙ ነቂሉ ዘሎ ጉጅለ፡ ኣብ መዳይ ወተሃደራዊ ሕክምናዊ ክንክን ልዑል ዓቅሚ ዘለዎ ጉጅለ ምኳኑ”ዩ ዘረድእ።
እቲ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ ዘሎ ጉጅለ ሕክምና፡ ካብ ቅድሚ ዝተወሰነ ግዜ ኣትሒዙ ልዑል ሕክምናዊ ስልጠናታት ኣብ ምውሳድ ምጽንሑ ዝገለጸ ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና፡ ተላባዒ ሕማማት ኣብ ምቁጽጻርን፡ ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ምሃብን ዝነበሮም ዓቅሚ ብተዓጻጻፊ በሪኹ ምህላዉ ውን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ንጹር ተልእኾ እዚ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ ዘሎ ወተሃደራዊ ክንፊ ሕክምና ቻይና፡ ተመክሮ ንምድላብ ዲዩ ወይስ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ምስ ዘሎ ግጭታት ብዝተኣሳሰር ኣበርክቶ ንምግባር”ዩ ግን ዛጊት ንጹር መረዳእታ የለን።