
ንኣስታት 50 ዓመታት፡ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዓቢ ግደ ሒዙ ኣብ ምንቅስቓስ ዝጸንሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ካብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ኣትሒዙ ኣብ ክልተ ደምበ ተመቒሉ፡ ሓደ ክፋሉ ምስ ዓዲ ሃሎ ዝመደበሩ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓደ ክፋሉ ከኣ ምስ መንግስቲ ብልጽግና ናይ ኣራትኪሎን ወጊኖም ዝኸድዎ ዘለዉ ጉዕዞ፡ ንትግራይ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ዝመርሓ ናይ ጥፋኣት መንገዲ”ዩ ክብል ውድብ ናጽነት ትግራይ ኸሲሱ።
ውድብ ናጽነት ትግራይ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኾይኑ፡ ክልቲኦም ህወሓት ብዕላማ ተመቓቒሎም ምስ ጉጅለ ህግደፍን ሰልፊ ብልጽግናን ዝኸድዎ ዘለዉ ሓደገኛ መንገዲ ብምኹናን፡ መንግስቲ ንልጽግና ብህጹጽ ንውዕል ፕሪቶርያ ከተግብር ከምዝግባእ”ዩ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ ዝርከብ።
ኣብ ክልተ ተመቒሉ ዝርከብ ውድብ ህወሓት፡ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ምትፍናን ፖለቲካ፡ በሰላታት ኲናት ንምሕዋይ እኳ ኣብ ዘይከኣለት ክልል ትግራይ ክፈጥሮ ዝኽእል ዕንወት ብቐሊል ዘይግመት ምኳኑ፡ ኣብቲ መግለጺ ዝጠቐሰ ኣቦ ወንበር ውድብ ናጽነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ፡ ትግራይ ብሓይሊ ብረት ተቆጻጺሩ ዘሎ ናይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ህወሓት፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ንኲናት ዝዕድም ቅሉዕ ርክብ የካይድ ምህላዉ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ እቲ ምስ ሰልፊ ብልጽግና ሓቢሩ ዝርከብ ናይ ጌታቸው ረዳ ጉጅለ ውን ብተመሳሳሊ፡ ዝኸዶ ዘሎ ጉዕዞ ኲናት ዝዕድም”ዩ ብምባል”ዩ ዝገልጽ።
ክልቲኦም ሓይልታት ዝኸድዎ ዘለዉ ጉዕዞ ንትግራይ ዝጠቅም ኣይኮነን ዝበለ እቲ ኣቦ ወንበር፡ ኣብ መደምደምታ ክልቲኦም ሓይልታት ኲናት ዳግም ናብ ትግራይ ንኸይምለስ፡ ካብ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዝረሓቐ ወገን ዘይሓረየ መንገዲ ክመርጹ ከምዝነበሮም”ዩ ሪኢቱኡ ኣቐሚጡ ዝርከብ።