
ንጨኳንን ረጋጽን ስርዓተ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ተኺሉ፡ ሃገር ውልቀምሕደራዊ ስርዓት ኣብ ምብራስ ዝርከብ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምክንያት 24 ግንቦት ፡ ኣብ ስታዲዩም ኣስመራ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝበልዐን ብስም ተደምረናል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዝነበረን ትስፉው ሃንቀውታ፡ በኒኑ ከምዝተረፈ ከይሓነኸ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2018 ምስ ሓድሽ መራሒ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዘይቅዱስ ኪዳን መስሪቱ፡ ብስም ፖለቲካ ተደምረናል ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብልፍንቲ ንምህራም ዝነቐለ፡ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኪ ኢሰያስ፡ ኣብ እዋኑ ኢትዮጵያ ንከይትፈርስን ንከይትበታተንን ኩሉ ዓይነት ዋጋ ክንከፍል ኢና ብምባል፡ ኤርትራ ክትከፍሎ ዘይግበኣ ከቢድ ዋጋ ክትኸፍልን ወራሪት ተባሂላ ንክትስመን ጌሩ ከብቅዕ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ መስዋእቲ ኣብ ትግራይ ዝወደቑ መንእሰያት ካብ ምንጋር ሓንጊዱ ጎቦ ጎቦ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኤርትራ ንዝኸፈለቶ ዋጋ ከምዝኸሓደትን፡ ተጀሚሩ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ ምሉእ ብምሉእ ከምዝበነነን ከርድእ ምፍታኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ክቱር ንዕቀት ዘጉልሕ”ዩ።
ንመሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ካብ ዝምልስ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጉዳያትንምህዳም፡ ዓመት መጸ ተንታኒ ፖከቲካ ዓለምን ቀርኒ ኣፍሪቃን መሲሉ ክቀርብ ዝፍትን ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ ልሙድ መደሩኡ፡ ኢትዮጵያ መጋበርያ ምዕራባዊ ዓለም ብምኳን ሕጂ ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ተጻቦኦታት ትገብር ምህላዋን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ውን ንዕንደራታት እቲ ኣብ ስርዓት ተቀሚጡ ዝርከብ ጉጅለ ብምርዳእ ዝተወደበ ተቃውሞታት ኣብ ምግባር ምህላዉን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚ”ቲ ኣማኺርዎ ዘይፈልጥ ህዝቢ ብምኳን፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ በቲ ንኢትዮጵያ ዝኸፈሎ ዋጋ ዘጣዕስ ይኹን ዘሰክፍ ነገር የብሉን ክብል”ዩ ንስድራ ስዋኣት መሊሱ ዘቐንዙ ናይ ውርደት ቃላት ክድርቢ ተሰሚዑ።
ኣብዚ መደሩኡ፡ ኤርትራ በቲ ናይ ውርደት ጉጅለ ተመሪሓ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትያ ዝኸፈለቶ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ፡ ብዜሮ ረቢሑ ከምዝተኻሕደ ዝተኣመነ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቀሱ ሓይልታት ዝገብሮ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ደገፋት ብምክዋል፡ ኢትዮጵያ ብቅሉዕን ብተዘዋዋርን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኲናት ምድላዋት ተካይድ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ ብተዘዋዋሪ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ ውን ብቐንዱ፡ ካብ ዝሓለፈ ብዘይፍለ ናብ መንግስቲ ፈደራል ዝቀንዐ ልፍንታዊ ሓይሊ ምምስራት ምኳኑ”ዩ ኣንፊቱ።
ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተጠቂሙ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡን፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘይሰማምዑኡን ሓይልታት ብምድጋፍ፡ ኩሉ ዓይነት ቀረባት ኣብ ምቅራብ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ትምሊ ንፈለማ እዋን ቃል ብቃሉ ንመራሒ ኢትዮጵያ ሰልፊ ብልጽግና ከዳሚ ጉጅለ”ዩ ክብሎ ምፍታኑ ውን፡ እቲ ካልእ ምልክት ናይቲ ኣይተርፍን”ዩ ዝበህውለሉ ኲናት ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ንውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ቃል ክህብ ዘይስማዕ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ’ዚ ናይ ትማል መደሩኡ፡ ብዛዕባ ውሻዊ ኩነታት ኤርትራን መጻኢ መደባትን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃል የለን።