
እስራኤል ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ዝኮኑ 9 ኣሕዋት ከምዝተቀትሉ፡ እታ ኣደ ከም ሓኪም ትሰርሓሉ ዝነበረት ሆስፒታል ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እታ 9 ደቃ ዝሰኣነት ኣደ፡ ብዓልቲ ሞያ ዶክተር ናይቲ ሆስፒታል ምንባራ፡ መግለጺ ናይቲ ጥዕናዊ ማእከል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብ 10 ደቃ ብዘይካ”ሓደ ብህይወት ዝድሓነ፡ 9 ደቃ በቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝሞቱ”ዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
እታ ዶክተር ኣደ፡ “ካን ዮኒስ” ትባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መወከሲ ሆስፒታል ብሞያ ሕክምና ተቆጺራ ትሰርሕ ምንባራ ዝገለጸ እቲ ሆስፒታል፡ ሓደ ወዳን በዓል ቤታን’ውን በቲ ዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ግዳያት’ኳ እንተኾኑ፡ ብህይወት ከም ዝተረፉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣቀድም ኣቢሉ፡ ብህይወት ንዝደሓነ ወዲ 11 ዓመት ወሉድ እታ ኣደ መጥባሕቲ ዝገበረን፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ብሪጣንያዊ ሓኪም “ግሬም ግሩም” ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ናይ ህጻናት ሓኪም ብምኳን መዋእላ ህጻናት እናኣለየት ዝመጽአት ዶክተር፡ ብሰንኪ ሓደ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዳርጋ ምሉእ ስድራቤታ ከም ዝሰኣነትን፡ ኩነታታ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ምኳኑን”ዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ብወገኑ፡ ነፈርቲ ኲናት ሃገሩ ብዓርቢ ኣብ “ካን ዩኒስ” ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ጥርጡራት ከም ዝሃረማን፡ ዕላሙኡ ዝሃረመ ዕዉት ስርሒት ከምዝተፈጸመን “እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታታ በጺሑ ዝተባህለ ጉድኣት ዝምልከት ክሲ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ሓላፊ ናይቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ዘካፈሎን ብማዕከን ሓበሬታ ቢቢሲ ዝተረጋገጸን ቪድዮ፡ ኣብ ካን ዩኒስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ፍርስራስ ዝተቓጸሉ ንኣሽቱ ሬሳታት ከም ዝተልዓሉ ዘርኢ ኣስካሕካሒ ቪድዮ ምንባሩ ዝጠቀሰ ቢቢሲ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ግን፡ ነፈርቲ ሃገሩ ኣብ ከባቢ ካን ዩኒስ ዝተሰምየ ከባቢ “ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝንቀሳቀሰሉ ከባቢታት ንዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ጥርጡራት ዕላማ ብምግባር ከምዝሃረማ””ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
“ከባቢ ካን ዩኒስ ሓደገኛ ናይ ኲናት ዞባ ስለዝኮነ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንምርግጋጽ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ካብዚ ከባቢ ኣውጺኡ’ዩ” ዝበለ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር መዓልቲ ጥራሕ ኣብ መላእ ቓዛ ልዕሊ 100 ዝተመርጹ ዕላማታት ከም ዝወቕዐ ገሊጹ።
እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ብወገኑ፡ ትማሊ ሰንበት ጥራሕ ብውሕዱ 74 ሰባት ብሰራዊት እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ዳይረክተር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሙኒር ኣልቦርሽ ኣብ ናይ X ሕሳቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በዓል ቤት ዶክተር ኣልናጃር ሓምዲ ንበዓልቲ ቤቱ ብመኪና ናብ ስራሕ ኣብጺሑ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ዝነበራ ሒደት ደቓይቕ ገዛ ስድራቤት ኣልናጃር ከም ዝተሃርመዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሆስፒታል ናሰር ዝሰርሕ ካልእ ብሪጣንያዊ ናይ መጥባሕቲ ኪኢላ ዶክተር ቪክቶርያ ሮዝ ብወገኑ፡ ኣብ ውልቃዊ ኢንስታግራም ሕሳቡ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ኣቦ እቶም ህጻናት “ኣዝዩ ብከቢድ ቆሲሉ” ምንባሩ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ርእሱ ከቢድ ማህረምቲ ከምዝነበሮ”ዩ ቢቢሲ ዘረድእ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሽመጥ ቃዛ ትፍጽሞ ብዘላ ሲቪሊያን ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ተደጋጋሚ ግዜ ክሲ ገበናት ኣንጻር ኲናት ክቀርበላ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እስራኤል መጥቃዕቲ ደው ምባል ሓማስ ተመሊሱ ትንፋስ ክረክብ ምፍቃድ”ዩ ብምባል፡ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ትቅጽል ምህላዋ ዝፍለጥ”ዩ።