
ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገሌ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንዞባ ቀይሕ ባሕሪ ትብጽብጾ ዘላን፡ ኣብዚ ዞባ ዘይምርግጋእ ንምስፋን እትሰርሕ ዘላን ሃገር ምኳና ብምግላጽ ከሲሱ።
እቲ ፕረሲደንት ኣብ መግለጺኡ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ዘላ ናይ ልዕሊ 110 ቢሊዮን ዶላር ልምዓታዊ ወፍሪ፡ ብስም ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ንምትግባር ዘጠቓልል ሓደገኛ ኣካይዳ ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ፕረዚደንት፡ ኢማራት ካብ ተግባራታ ክትቁጠብ ከምዝግባእ”ዩ ዘጠንቅቅ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከም ወደባትን ቴሌኮሙኒኬሽንን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ መሰረተ ልምዓት ዝካየድ ዘሎ ቁጠባዊ ሽርክነት፡ ኪንዮ ቁጠባዊ ጽልዋ ንልኡላውነት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ወተሃደራዊ ዕላማታት እውን ኣለዎ ክብል ዝከሰሰ ፕረዚደንት ዑመር ገሌ፡ ንጹር ዕላማ ኢማራት ብቁጠባዊ ምክንያታት ወተሃደራዊ መርበባባት ኣብ ኣፍሪቃ ምስፋሕ ምኳኑ”ዩ ዘረድእ።
ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገሌ ኣስዒቡ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወደባት ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ሕቶ ኣቅሪባ ምንባራን፡ ጅቡቲ ንሕቶኣ ከምዝነጸገትን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኢማራት ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣቓልቦኣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣቕኒዑ ምህላው ብምጥቃስ፡ ንጹር ዕላሙኡ ግን ወተሃደራዊ መርበብ ንምስፋሕ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ብወተሃደራዊ ምትሕብባር ንቁጠባ ዞባና ዝቅይሩ ኣገባባት ክትጥቀም ምፍታን ነዚ ዞባ ስግኣት ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ ድላይ ኢማራት ንሉኡላዊ ግዛኣት ሃገራት ከይድፈር ግን ጥንቃቀ ከምዘድሊ”ዩ ዝመክር።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሉኡላዊ ገማግም ኣፍደገ ባሕሪ ጅቡቲ፡ ከም ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ጃፓን ዝኣመሰላ ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ከም ዘለወን ዝፍለጥ”ዩ።