
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ክበጽሓ ንዝጸንሐ ጸርፍን ዘለፋን ግብረመልሲ ክትህበሉ ሓሳብ ከምዘይብላ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ንእዋናዊ ጉዳያት ኣመልኩቱ ሰሙናዊ መግለጺ ዝህብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣማሲዩኡ ብመንገዲ ኣፈኛ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣቢሉ ሰሙናዊ መግለጺኡ ዝሃበ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ስም ኢትዮጵያ ኣልዒሉ ኣብ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ዘስምዖ ናይ ዘለፋ መደረ ዝተንከፈ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ንዘለፋ እቲ ውልቀመላኺ ክትምልሰሉ መደብ ከምዘይብላ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኢትዮዕያ ብዶብ ምስ ዝዋሰናኣ ሃገራት ዝሓሸ ርክብን ሰለማዊ ሃዋህዉን ክህልዋ ከምእትደልን፡ ነዚ ንምፍጣር ውን ክትሰርሕ ምዃናን፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ውልቀመላኪልኺ ኢሰያስ ኣብ መደረ ዘስምዖ ናይ ዘለፋ ቃላት ዝኸውን ግብረመልሲ ከምዘይብላ”ዩ ዝገልጽ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኪኢላ ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን እንክመስል፡ ዓመታዊ ካብ ውሽጣዊ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኤርትራ ንምህዳም፡ ብፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዓለምን ምዝራብ ዝብርሆ ውልቀመላኺ ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ብምኽንያት 24 ግንቦት ዘቅረቦ መደረ፡ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ቃል ብቓሉ ናይ ምዕራባውያን ተገዛኢ ወይ ሸቃሊ ጉጅለ ምኳኑ ዝገለጾ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረመልሲ ክህቦ ከምዘይኮነ ብመንገዲ መግለጺ ምንጻሩ ምስ ተበጺሑ ዘሎ ህሉው ኩነታት ንጥንቃቐ ተባሂሉ ዝተመርጸ ዲፕሎማሲያዊ ቋንቋ ክኸውን ከምዝኽእል”ዩ ዝእመን።
ኢትዮጵያ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንዝበሎ ጸርፊን ዘለፋን ዝኸውን ግብረመልሲ ንምሃብ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ከምዘይብላ ዝገለጸ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው፡ ኢትዮጵያ ርጉእ መንገዲ እትኽተል ሃገር ምዃና ድሕሪ ምግላጹ፡ ቅድሚ ሕጂ ውን ብተመሳሳሊ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ናይ ዝኮና ሃገራት ላዕለዎት መራሕቲ፡ ኣብ ልዕሊ”ታ ሃገር ዘይግቡእ ክስን ዘለፋን የውርዱ ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ንውልቀመላኺ ኢሰያስ መልሲ ከምዘይትህቦ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ቃላት ኲናት ከይተጸምደት፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ርክብ፡ ሰላማዊ ዲፕሎማሲ ምትእስሳር ብምፍጣር ከተሐይሎ ድላይ ከምዘለዋ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው፡ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ከምእትኽተል ምምራጻ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ድሕሪ”ቲ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ፈደራልን ዝተፈጥረ ምትፍናን፡ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ ቅሉዕ ምጥቅቃዕ ካብ ዛኣትዉ ድሮ ኣስታት ክልተ ዓመታት መሊኡ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኩሉ”ቲ ዘካይድዎ ናይ ቃላት ኲናት፡ ብዘይወግዓውያን ወኪላቶም ዝገብርዎ ጥንቃቀ ዝመሎኦ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ”ቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ቃለመሕተቱ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣልዒሉ ምትንታኑ፡ “የራስዋ ኣሮቧት…” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ከቢድ ግብረመልሲ ሂባ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ምላቱ ተሾመ “ህግደፍ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ዕግርግር ምክንያት”ዩ” ብምባል ኣብ ኣልጀዚራ ንዝጸሓፎ ጽሑፍ ኣመልኪቱ ናይ ቀይሕ መስመር መጠንቀቅታ ድሕሪ ምሃቡ፡ ክልቲኦም ኣካላት ወግዓዊ መንግስታዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ርሒቆም ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ንጥፈታት ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ግን እቲ ምፍጣጥ ብደረጃ ወግዓውያን ሰበስልጣናት ኣቢሉ ይቀላቐል ምህላዉ”ዩ ዝንገር።