
ንህሉው ኩነታት ኣመልኪቱ ትማሊ ኣማሲዩኡ መግለጺ ዝሃበ ውድብ ህወሓት፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ውዕል ክፍጽም ብዘይምኽኣሉ፡ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መንበሪ ቤቱ ክምለስ ኣይከኣለን” ድሕሪ ምባሉ፡ መንግስቲ ፈደራል ህጹጽ ፍታሕ ከናዲ ጸዊዑ።
“ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ክረምቲ ኣደዳ ቁሪ :ጥሜትን ስቓይን ኮይኑ ዝርከብ ህዝብና ቅልጡፍ ፍታሕ ንክረክብ፡ ውድብና ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብተደጋጋሚ ግዜ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣደራደርቲ ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ስምዕተኦም ኣብ ምቕራብ ከምዘለዉ ዝጠቀሰ ውድብ ህወሓት፡ ይኩን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ሂወት በብመዓልቱ ዝረግፍ ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ዝኣተዎ ውዕል ዝፍጽም ዝፍትን፡ ብነባራትን ሓደሽቲ ዝተመልመሉ ካድረታቱን ኣቢሉ፡ ብዋጋ ተመዛባላይ ህዝብና ፖለቲካዊ ቁማር ኣብ ምጽዋት ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ” ክብል”ዩ ቅሬቱኡ ኣቅሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘይሓላፍነታውን ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወጻእን ዝኾነ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ወጽዩ፡ ተመዛቢሉን ተሰዲዱን ዘሎ ህዝብና ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ናብራ ቴንዳ ከየሕልፍ ግቡኡ ክዋጻእ ይግባእ ዝበለ ህወሓት፡ ተመዛበልናልቲ ዘለውዎ ኩነታት ብኣምባሳደራ ዝተዓዘበት ኣመሪካ፡ ኣደራደርቲ ኣካላትን መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን እውን፡ እዚ ኣብ ተመዛበልትን ዝተሰደዱ ወገናትን ተፈጢሩ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ቅልውላው ተረዲኦም እጃሞም ክዋጹኡ”ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
መንግስቲ ፈደራል፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምትግባር ምትእምማን ዘዕብዩን ናብ ዘላቒ ሰላም ዝወስዱን ስጉምታት ኣብ ክንዲ ምውሳድ፡ “ኣብ ልዕሊ ደላዪ ሰላም ህዝብና ተወሳኺ ስግኣት ኣብ ምፍጣር ምህላዉ ዝከሰሰ ውድብ ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ውድብና ህወሓት፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተተግቢሩ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ሓራ ክወጽእ፡ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፡ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ክረጋገጽ እናተጸበዩ፡ ናብ ትግራይ ዝጓዓዝ ነዳዲን ሸቐጣሸቀጥን ከይሓልፉ ብምትዕንቓፍ፡ በጻሕቲ ዓዲ ናብ ትግራይ ከይሓልፉ ብምኽልካልን ዝግበር ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፡ ተወሳኺ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝግበር ዘሎ ክልከላን ዝፍጠር ዘሎ ዕንቅፋትን ብህጹጽ ክእርሞን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ተገዛኢ ብምዃን ነቲ ስምምዕ ንቕድሚት ዝወስድ ኣወንታዊ ግቡኡ ክዋጻእ ይግባእ” ክብል’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።