
CPJ ዝርከቦም ልዕሊ 31 ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኹንን ጻውዒት ኣቅሪቦም።
እቶም ብቁጽሪ ብርክት ዝበሉ ተሓለቅቲ ሰባኣዊ መሰላት ዝኾኑ ትካላት፡ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተወሳኺ መርመራ ዝጠልብ ምኳኑ ዝጠቐሱ ኮይኖም፡ ውድብ ሕብራት ሃገረት ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸፈአ ዝመጽእ ዘሎ ወጽዓን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ ብትሪ ክኹንኖ ከምዝግባእ”ዮም ዝገልጹ።
እቶም ኮሚቴ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ) ዝርከቦም 31 ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ኣብ ጻውዒቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰኒዶሞ ዘለዉ ግሉጽ ገበናት ብዝርዝር ዝጠቀሱ ኮይኖም፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት፡ ብዘይ ፍቓድ ማእሰርቲ፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ምእሳርን ምስዋርን ጋዜጠኛታት፡ ምግሃስ መሰል ፍትሓዊ ፍርዲ፡ ስቅያት፡ ኣብ ልዕሊ ፖከቲካውያን ተቓወምቲ ዝፍጸም ናይ ጭውያን ቅንጸላን መጥቃዕቲ ዘጠቓልል ኩሉ ዓይነት ገበናት ኣብታ ብጉጅለ ህግደፍ እትምራሕ ኤርትራ ይፍጸም ምህላዉ ድሕሪ ምግላጾም፡ ውድብ ሕብራት ሃገራት ብስቅታ ክሓልፎ ሞጎታዊ ከምዘይኮነ ብምግላጽ”ዮም ብትሪ ክኹንኖ ጻውዒት ኣቅሪቦም ዝርከቡ።
ኹነታት ኣታሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንምጽራይ ዝተመስረተት ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ኣገልግሎታ ከምዘብቅዕ ዘመልከቱ እቶም ትካላት፡ ቤት ምኽሪ ውድብ ሕብራት ሃገራት ዝመጽእ ሰነ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ፡ ዕድመ ናይቲ ኮሚተ ከናውሕን ኩነታት ኤርትራ ዝያዳ መጽናዕቲ ከምዝደልን”የን ጻውዒተን ኣቅሪበን ዝርከባ።
ብመሰረት እቲ ብ1 ታሕሳስ 2024 ዝተዘርግሐ ዓመታዊ ዓለማዊ መጽናዕቲ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት CPJ፡ ኤርትራ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኮይና ትቕጽል ምህላዋ ተገሊጹ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 16 ጋዜጠኛታት ብዘይ ዝኮነ ክሲ ይኹን ፍርዲ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከምዘለዉ’ዩ ጸብጻብ CPJ ዝገልጽ።
ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ መሓዩር ካብ ዝርከቡ ቃዜጠኛታት፡ እቶም 13 ካብ 2001 ጀሚሮም ኣብ ትሕቲ መሓዩር ምህላዎም ዝገለጸ CPJ፡ ኩነታት ሰባኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ልዕሊ”ዚ ብሸለልትነት ክረአ ከምዘይግቦኦ”ዩ ኣብ ጸብጻቡ ዝገልጽ።