
ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ፈደራል ነቲ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝመጽእ ዘሎ ግሉጽ ናይ ግጭት መግለጺታት፡ ብሰላማውን ዲፕሎማስያውን ኣገባብ ክምልሰሉን ከዝሕልዎን ከምዝግባእ ገሊጾም።
ኢትዮጵያ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምሕላው ኣብ እትከዶ ዘላ ጉዕዞ፡ ከም ግብረመልሲ ንዝመጻ ተጻብኦ እትኽተሎ መንገዲ፡ ዝያዳ ናብ ዲፕሎማሲ ዝዘምበለ ክኸውን ከምዝግባእ ዝገለጸ፡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ዞባውን ኣህጉራውን ሕግታት ብዘኽብር ኣገባብ ክትሰርሕ ከምዝግባእን፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ውን ኣብ ናይ Give and take መትከላት ዝተመስረተ ዝምድናታት ክኸውን ከምዝግባእን”ዩ ዝግለጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ስም ኢትዮጵያ ኣልዒሉ ዝሃቦ ናይ ዘለፋ መደረ ከም ምኽንያት ከይተጠቅመ፡ ኣብ ምትህልላኽ ካኣቱ ኣይደልን ምባሉ፡ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ካብ ምሕላው ቦኺሩ ማለት ከምዘይኮነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ወሲኹ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካልእ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዝኮነ ዶክተር ፋቲሕ ማሃዲ ብወገኑ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ከምቲ ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝገብሮ፡ ምስ ባይቶ ህዝብታት ኤርትራ ውን ማዕረ ዝምድና ክምስርት ድላይ እኳ እንተነበሮ፡ ብወገን ኤርትራ ባይቶ ብዘይምህላዉ ግን ድላይ እቲ ቤት ምኽሪ ክዕወት ከምዘይከኣለ”ዩ ዝገልጽ።
ኣባላት ቤት ምኽሪ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስምዖ መደረ፡ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዘይምጥን ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ዘይትጽበዮ ዘሕፍር ዘረባ”ዩ ክብሉ ዝገለጽዎ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር ነቲ ብተደጋጋሚ ግዜ ብዓበይቲ ሰበስልጣናት ኢትዮዕጵያ ከይተረፈ ዝደጋገም ዘሎ፡ ንሉኡላዊ ክብረትን መሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ዝደፍር ቃላት ግን ዓገብ ክብልዎ ኣይተሰምዑን።
ኢትዮጵያ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንዝበሎ ጸርፊን ዘለፋን ዝኸውን ግብረመልሲ ንምሃብ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ከምዘይብላ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ርጉእ መንገዲ እትኽተል ሃገር ምዃና ድሕሪ ምግላጹ፡ ቅድሚ ሕጂ ውን ብተመሳሳሊ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ናይ ዝኮና ሃገራት ላዕለዎት መራሕቲ፡ ኣብ ልዕሊ”ታ ሃገር ዘይግቡእ ክስን ዘለፋን የውርዱ ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ንውልቀመላኺ ኢሰያስ መልሲ ከምዘይትህቦ’ዩ ኣብ ናይ ቅድሚ ትማሊ መግለጺኡ ዝገልጽ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ፈደራልን ዝተፈጥረ ምትፍናን፡ ክልቲኦም ሓይልታት ናብ ቅሉዕ ምጥቅቃዕ ካብ ዛኣትዉ ድሮ ኣስታት ክልተ ዓመታት መሊኡ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኩሉ”ቲ ዘካይድዎ ናይ ቃላት ኲናት፡ ብዘይወግዓውያን ወኪላቶም ዝገብርዎ ጥንቃቀ ዝመሎኦ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ቃለመሕተቱ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣልዒሉ ምትንታኑ፡ “የራስዋ ኣሮቧት…” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ከቢድ ግብረመልሲ ሂባ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ምላቱ ተሾመ “ህግደፍ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ዕግርግር ምኽንያት”ዩ” ብምባል ኣብ ኣልጀዚራ ንዝጸሓፎ ጽሑፍ ኣመልኪቱ ናይ ቀይሕ መስመር መጠንቀቅታ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኽልቲኦም ኣካላት ወግዓዊ መንግስታዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ርሒቆም ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ንጥፈታት ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ግን እቲ ምፍጣጥ ብደረጃ ወግዓውያን ሰበስልጣናት ኣቢሉ ይቀላቀል ምህላዉ”ዩ ዝንገር።