
ስልጣን ህዝብን ሃገርን ብሒቱ ንዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት ሃገር ናብ ኩለንትናኣዊ ውድቀት ከተምርሕ ዝገበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ መቀጸልታ ናይቲ ዝህንጠየሉ ዘሎ ኲናት ኣብዚ ሰሙን ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ሰራዊትን ሜካናይዝድ ኣሃዱታትን ናብ ከባቢታት ኦምሓጀርን ኢሮብን ኣብ ምንቅስቃስ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳት እንዳካየደ ንኸእምን ብናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ኲናት የለን ኣብ ምባል ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ዕጡቃት ፋኖ ናይ ክልል ኣምራሓን ገለ ክፋል ኣባላት ጸጥታ ክልል ትግራይን ክገብሮ ድሕሪ ዝጸንሐ ርክባት፡ ጽዑቅ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳት ኣብ ዶባት ከካይድ ምጽንሑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣትሒዙ ውን ብወገን ከባቢታት ኦምሓጀርን ኢሮብን፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ሰራዊትን ድሩዓት ዳንክታትን ኣብ ከባቢ ዶባት የገድም ምህላዉ”ዮም ዝግለጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ዓመትን መንፈቅን ምስ ኢትዮጵያ ንዘዳውብ ከባቢታት ዞባ ጋሽ ባርካ ንዕጡቃት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ ንምርካብን ስንቂ ንምቅባልን ከም ቀንዲ መስመር ክጥቀመሉ ምጽንሑ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ኢትዮጵያ ክትወረና ወዲኣቶ”ያ ዝብል ዕላላት እንዳዘርግሐን ፖለቲካዊ ናይ ንቅሓት ትምህርቲ እንዳሃበን፡ ሰራዊት ምሉእ ብምሉእ ንኩናት የዳልዎ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
በቲ ዝረአ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታትን ምዕባለታቱን ዝሰጉኡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ዶባት ካብ ዝርከባ ኣሃዱታት ተበጊሶም ናብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ያኣትዉ ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ኣብ ትግራይ ክረአ ዝጸንሐ ናይ ጭውያ ተግባራት ውን መፍትሒ ስለዘይተረክቦ ውን፡ እቲ ዝሕተት ዘሎ መጠን ገንዘብ ንብርክት ዝበላ ስድራቤታት ኣብ ልመና ክወድቃ ገዲድወን ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጉጅለ ህግደፍ ስነጥበባውያን ውሽጢ ዓዲ ኣብ መደባት ጽምዶ ንክሳተፉ የገድድ ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶ ምስ ዘለዎም ዕጡቃት ሓይልታት ብምኳን፡ መንግስቲ ብልጽግና ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ከም ዕላማ ሒዙ፡ ምስ ናይ ትግራይን ኣምሓራን ሓይልታት ብምኳን ናይ ጽምዶ ፖለቲካ ኣበጊሱ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ነቲ ከም ተደምረናል ንኩናት ዕላማ ጌሩ ዝክየድ ዘሎ ናይ ጽምዶ ሓሳብ ክቅበሎ ብምጽጋሙ ብመንገዲ ጸለውቲ ሰባት ኣቢሉ ንኸወዓውዖ ስነጥበባውያን የገድድ ምህላዉ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ኣወል ስዒድ ኣቢሉ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ፡ ብዙሕ ምጥርጣራት ከስዕብን ክሳብ ብደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ዝነበሩ ጸለውቲ ሰባት ክንጸግን ብምጅማሩ፡ ህዝቢ ንምእማን ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጸሚዱ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ነዚ ንምትግባር ይኮኑ”ዮም ዝበሎም ስነጥበባውያን ኣብ ጽምዶ ድምጾም ከምዘስምዑ ንምግባር ዝተወደበ ምንቅስቃሳት ጀሚሩ ድሮ ውን መደባት ኣብ ምድላውን ስእሊ ኣብ ምእካብን ምህላዉን”ዮም ዝገልጹ።