
ትማሊ 8 ሰነ 2025፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ጸጥታ እታ ከተማን መንእሰያት ደገፍቲ ኩዕሶ እግርን ብዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ሓደ መንእሰይ ብፖሊስ ከምዝተቀትለ ተገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ካብታ ከተማ ዝተፈነወ ሓበሬታ። ትማሊ ከባቢ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ናይ 2025 ናይ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ኢትዮጵያ ንምዕዛብን ናብ ኣፍደገ ስታዲዩም ዘምርሑ ዝነበሩ ደገፍቲ ተጋጠምቲ ጋንታታት ወላይታ ዲቻን ሲዳማ ቡናን፡ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ስታዲዩም ምስ ፖሊስን ጸጥታን ናብ ጎንጺ ድሕሪ ምእታዎም ብዝተተኮሰ ጠያይት ክልተ መንእሰያት ተሃሪሞም ከምዝወደቑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በረኸት ሃማ ዝተባህለ መንእሰይ ሓደ ካብቶም ግዳያት ብምኳን ሂወቱ ከምዝሓለፈ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ብዘይካ”ቲ ዝሞተ መንእሰይ፡ መውቓዕቲ ጠያይት ንዝገጠሞ ካልእ መንእሰይ ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ዝተሃርሙ ምህላዎም ዝተጠቀሰ ኮይኑ፡ ንሃለዋት ናይቲ ቡኡ ንቡኡ ናብ ሆስፒታል ዝተወስደ ግዳይ ዝገልጽ ተወሳኪ ሓበሬታ ግን ኣይተረኽበን።
ድሕሪ”ቲ ኣብ ሞንጎ መንእሰያት ደገፍቲ ኩዕሶ እግርን ኣባላት ጸጥታ እታ ከተማን ዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እቲ ናይ ፍጻመ ጸወታ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ክካይድ ምውሳኑ ብናይ facebook ሕሳቡ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ እቲ ጸወታ ብቀጥታ መስመር ቴለቪጅን ክመሓላለፍ ምኳኑ ብምግላጽ ተዓዛቢ ህዝቢ ናብ ገዝኡ ክምለስ”ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብቀዳም 7 ሰነ 2025 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራከቢታት YOUTUBE ዝተካየደን ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ብቀጥታ ዝተከታተሎን ዘተ ኢሊታት ፖለቲካን መራሕቲ ውድባትን ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንግስቲ እታ ሃገር ከቢድ ነውጺ ብምፍጣሩ፡ ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት እታ ሃገር ንተወሰነ ግዜ መስመር ኢንተርነት ደው ክብል ከምዘገደደ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብቀጥታ መስመር ዝተካየደ ዓቢ ሃገራዊ ዘተ፡ “ኲናት ደው ይበል” “መግዛእቲ ይፍረስ” “ሰላም ይንገስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ዝተወደበን ልዕሊ 15 ውድባትን ወከልቲ ምንቅስቃሳትን ዘሳተፈ ዘተ፡ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብልን ኢትዮጵያ ንኩሉ ናብ ዘሳትፍ ሃገራዊ ዘተ ክታኣቱን ዝጠልብ ኮይኑ፡ ኩሎም ቶም ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዝንቀሳቀሱን ብዕላማ ዘይሰማምዑን ሓይልታት ብሓደ ድምጺ ክድግፍዎ ምካኣሎም፡ ንመንስግስቲ ብልጽግና ኣስጋኢ ህዝባዊ ናዕቢ ክፈጥር ከምዝክልኽእል”ዩ ዝእመን።