
መንግስቲ ኢትዮጵያ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ማዕከን ዜና “Ethiopian Insider” ዝኮነ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ተገሊጹ።
ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሲቪል ክዳን ብዝለበሱ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፈደራል ካብ ቀጽሪ ግዮን ሆቴል ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወስደ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ብመንግስቲ እታ ሃገር ናይ ሓሶት ዜናታት ኣብ ምዝርጋሕ ተዋፊርካ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ ትማሊ ሰሉስ ናብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ከተማ ቂርቆስ ቀሪቡ፡ ብዋሕስ 15 ሽሕ ብር ክፍታሕ ፍቃድ ረኺቡ፡ ቤት ፍርዲ ንክፍሊ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ንተስፋለም ነቲ ረቛሒታት ስለዘማልእ ካብ ማእሰርቲ ክፈትሖ ኣዚዙ ምንባሩ ዋላ”ኳ እንተተገልጸ፡ ፖሊስ ፈደራል ግን ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ ምውሳኑ”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወስደ ስጉምቲ ሕጂ ውን ተወሰኽቲ 5 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጲያ ካብ ስልጣኖም ከምዝወረዱ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናይ ብርጋዴር ጀነራል ማዕርግ ዘለዎም ተወለድቲ ኣምሓራ ዝኮኑ 6 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጲያ፡ ብፍቓዶም ስልጣን ናይ ምልቃቅ ጠለብ ኣቅሪቦም ከም’ዝጸደቀሎም ተሓቢሩ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ውን ተወሰኽቲ 5 ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ወተሃደራዊ ስልጣን ሰራዊት እታ ሃገር ከምዝተፋነዉ”ዩ ዝንገር።
እቶም ስልጣኖም ዝሓደጉ ኣዘዝቲ ሰራዊት
ሌ/ጀነራል ኣስራት ዲነሮ፡ ሜ/ጀነራል ኣለሙ ኣይነ፡ ሜ/ጀነራል ታገሰ ለምቢቦ፡ ብ/ጀነራል ሻምበል በየነ፡ ብ/ጀነራል ኣባተ ዓሊ ከምዝኮኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ተወለድቲ ኣምሓራ ምስ ብምኳኖም ኣብ ስልጣን ብዘሎ ሓይሊ ተደፊኦም ይእለዩ ምህላዎም”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።