
ወተሃደራት እስራኤል ረድኤትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሒዛ ካብ ኢጣልያ ናብ ቓዛ እትጓዓዝ ንዝነበረት መርከብ ከም ዝሓዙ፡ ኤፍ-ኤፍ-ሲ ዝተባህለ ጕጅለ ገሊጹ።
ጕጅለ ልፍንቲ ሓርነት ፍሎቲላ (FFC)፡ እታ መርከብ ካብ ርክብ ወጻኢ ኰይና ከም ዘላ፡ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬት ዝለበሱ ሰባት፡ ብኾፎም ኣእዳዎም ንላዕሊ ኣልዒሎም እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ መራኪቢ ብዙሃን ቴለግራም ዝሓበረ ኮይኑ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ብወገኑ፡ እታ መርከብ ብሰላም ናብ ዶባት እስራኤል ትጓዓዝ ከም ዘላን፡ እቶም ተሳፈርቲ ውን ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝኽእሉን ምግላጹ፡ እታ መርከብ ብሓይልታት እስራኤል ከም ዝተታሕዘት ዘረጋግጽ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓማስ ናይ ኣጽዋር ደገፋት ንኸይረኽቡ፡ እገዳ ጕዕዞ ባሕሪ ምጽናዕ ኣድላዪ ምዃኑ ክትገልጽ ምጽንሓ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ምዕጋት ናይዛ መርከብ ውን ምስዚ ምክንያት ብዝተኣሳሰር ዝተወስደ ስጉምቲ ክኸውን ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ዝኮነ ካትዝ፡ እታ መርከብ ንድሕሪት ክትምለስ ከም ዘለዋን፡ እስራኤል ዝዀነ ይዅን እገዳ ንምፍራስ ዝካየድ ፈተነ ክትጻወር ከምዘይኮነትን ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንበት ኣብ ናይ twitter ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እታ ‘ማድሊን’ ዝተባህለት መርከብ ናብ ቓዛ ከይትበጽሕ ደው ከብሉዋን፡ ነዚ ንምዕዋት ውን ዘድሊ ዘበለ ኵሉ ስጉምቲ ክወስዱን ንሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከም ዝሓበሮም”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኤፍ.ኤፍ.ሲ፡ እገዳ ጉዕዞ ባሕሪ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ምዃኑ ብምምጓት፡ ንመግለጺ ሚኒስተር ካትዝ ዝኮነነ ኮይኑ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ሰባት ዘይሕጋዊ ሓይሊ ብምጥቃም ኣብ ምፍርራሕ ምህላዋን፡ እቲ መግለጺ ውን መረዳእታ ናይቲ ን”ዓመጽ” ከተመኽንዮ እትፍትንን ዘይምኽንያታዊ መርገጺኣ ምዃኑ”ዩ ዝገልጽ።
መርከብ ማድሊን ኣጽዋር ዘይትስከም ስቪል መርከብ ምኳናን፡ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ክትጓዓዝ መሰል ከምዘለዋን ዝገለጸ FFC፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጸአ ሰብኣዊ ሓገዛትን፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጽዒና ቓዛ ንምብጻሕ እትገብሮ ጻዕሪ፡ እስራኤል ክትዕንቅፎ መሰል የብላን ክብል”ዩ ዝገልጽ።
እታ መርከብ፡ ሩዝ መግቢ ህጻናትን ካልእ ዝተፈላለየ ሰባኣዊ ሓገዛት ሒዛ ከም ዘላ ዝገለጸ እቲ ጕጅለ፡ ዜጋታት ብራዚል፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ስጳኛ፡ ሽወደንን ቱርኪን ኣሳፊራ ምንባራን”ውን “ዩ ዝጠቅስ።