
ኣካል ናይቲ ኣንጻር ውድብ ሕዋሓት ንምቅላስ ኣብ ዓፋር ዓስኪሩ ዝርከብ ውዳበ ብምኳን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጸንቢሩ ዝርከብ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ)፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ዝዓስከረ “ኣርባዕተ ክፍለ ሰራዊት” ሒዙ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰራዊት ከም ዝቖመ ትማሊ ኣማሲዩኡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።
እቲ ግዚያዊ ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ሓድሽ ውድብ ዝመስረተን ጉጅለ፡ ካብ ሰራዊት ትግራይ ተፈልዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰራዊት ኣቚመ ምህላዉ ኣብ ቃለመሕትቱ ዝገለጸ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ)፡ “ሓድሽ ነገር ንምፍጣር” ብምባል ዕላማ፡ ናብ በረካ ወሪዶም ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምህላዎምን፡ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዘይእዝዞ ነጻ ወተሃደራዊ ክንፊ ንምቋም ውን፡ ኣብ ስራሕ ምህላዎም”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 15 ጥሪ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ነቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ድሕሪ ምኹናኖም፡ ኣኼባ ረጊጾም ካብ ዝወጹ ጀነራላት ሓደ ዝኮነ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ)፡ ካብቲ ዕለት ኣትሒዙ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝነበሮም ርክብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተበትከ”ዩ፡ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ድሕሪ”ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተራእየ ዘይምርድዳእ፡ ወተሃደራውያን መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ)ን ካልኦት ንውሳነ ሰራዊት ዝቃወሙን ናይ እገዳ ውሳነ ምሕላፎም ስዒቡ፡ ናብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ክኣትዉ ከምዝተገደዱ”ዩ ዘረድእ።
ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ) “ምስ ሓደ ውድብ ተጣሚሩ ማሕተም ዝምንጥል፡ ምስ ውድብ ተጣሚሩ ዝሸይምን ዘባርርን ሓይሊ፣ ንሓድሽ መንእሰይ ወለዶ ትግራይ ገዲፍናሉ ክንከይድ ኣይነፍቅድን ዝበለ ኮይኑ፡ ካብዚ ተመክሮ ዚ ብምብጋስ ዝምስርትዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ክንፊ ናይ ዝኮነ ይኩን ፓርቲ መሳርሒ ክኸውን ከምዘይኮነን፡ ክኸውን ውን ከምዘየፍቅዱን”ዩ ኣነጺሩ።
ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ፡ ኣባል ምምሕዳርን ምክትል ኣዛዚ ሰሜን እዚን ዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ (ወዲ ኣንጥሩ)፡ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብጥሮታ ተጣይሱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ስሞም ተደጋጊሙ ካብ ዝለዓል መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ብምኳን፡ ኣርሚ 50 ተባሂሉ ንዝፍለጥ ፍሉይ ሓይሊ (ኮማንዶ) ኣብ ሓጺር እዋን ከም ዝሃነጸ ዝንገረሉን፡ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ 15 ጥሪ፡ ጉባኤ ህወሓት ንዝደገፉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝተቓወሙ ኣዛዚቲ ምኳኑን ዝፍለጥ”ዩ።