
ኢራን ነቲ እስራኤል ዝከፈተቶ መጥቃዕቲ ተከቲላ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ልዕሊ 200 ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ የመን ውን ኣብዚ ኩነታት ኢዳ ብምሕዋሳ ወጥሪ ማዕከላይ ምብራቅ ሰማይ ምዕራጉን፡ ዓለማዊ ቅልውላው ከየስዕብ ስክፍታ ሰፊኑ ምህላዉን ኣሶሸይትድ ፕረስ ገሊጹ።
ድሕሪ”ቲ ኢራን ዝወሰደቶ ዓጸፋዊ ግብረመልሲ፡ እስራኤል ህጹጽ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ናብ ህዝቢ እታ ሃገር ከምዘሕለፈትን፡ ሰራዊት እስራኤል ውን ነቶም ሚሳይላት ኣብ ምዕጋት ተጸሚዱ ከምዘምሰየን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ካብቲ ናብ ሰማያት ቴላኣቪቭ ክዘንብ ዘምሰየ ሚሳያልት 9 ናብ ዕላማ ምዕላቡን፡ ህንጻ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ውን በቲ
መጥቃዕቲ ከምዝተሃርመን”ዩ ዝንገር።
ኢራን ብዝፈነወቶ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሂወት ሰብ ዝወረደ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ኣሎ ዲዩ የለን ዝሕብር ጸብጻብ ከምዘየለ ዘረደአ ኣሶሸይትድ፡ እስራኤላውያን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታትን ግን ኣብ ናይ ሓደጋ መዕቆቢ ቦምባታት ብህጹጽ ክዕቆቡ ትእዛዝ ተዋሂቡ ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።
ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይል “Ture promise 3” ኢሉ ሰምይዎ ምህላዉ ማዕከን ሓበሬታ ቢቢሲ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኢራን ትማሊ ምሸት ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ 7 ቦታታት ርእሰ ከተማ ተልኣቪቭ፡ ብናይ ክልተ ዙርያ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከምዝፈጸመቶ”ዩ ዝግለጽ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ሳልሳይ ዙርያ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ውን ብኣድማዕነት ይፍጽም ምህላዉ ኣብ ምህላጽን ምብሳርን ምህላወን ዝግለጽ ዘሎ ኮይኑ፡ የመን ውን ብወገና ኣብዚ ኩነታት ኣብ ጎኒ ኢራን ብምስላፍ ናብ እስራኤል ዝጠመተ መጥቃዕቲ ተካይድ ብምህላዋ፡ ወጥሪ እቲ ከባቢ ከቢድ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
በቲ ናይ ትማሊ ምሸት መጥቃዕቲ ባለስቲክ ሚሳይል፡ ቀንዲ ወተሃደራዊ መአዘዚ ነቁጣ እስራኤል ምኳኑ ዝተገልጸ ህንጻ ብሓዊ ክነድድ ከምዝተራእየ ዝገለጸ ቢቢሲ፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቖሰሉን፡ ተወሳኺ ኣምቡላንሳት ናብቲ ዝተጎድአ ከባቢታት ይውፈራ ከምዘለዋን ምግላጹ”ዩ ዘረድእ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ኣመሪካ ናብ እስራኤል ዝተተኮሰ ሚሳይላት ኢራን ንምምካን ኣብ ጎኒ ሰራዊት እስራኤል ተሰሊፋ ድጋፍ ከምዝሃበት ገሊጻ።
ሰራዊት ኣመሪካ ናብ እስራኤል ዝተተኮሰ ሚሳይላት ኢራን ንምውዳቕ ሓገዙ ከምዝሃበ ክልተ ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ንምዕባለታት ግጭት እስራኤልን ኢራንን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢራን ኣብ ኢዳ ዘሎ ተተኳሲ ከይተወደአ ሰለማዊ መፍትሒ ክትመርጽ ኣለዋ ክብል”ዩ ኣጠንቂቁ ዝርከብ።
TRT ዝተሰምየ ካልእ ማዕከን ሓበሬታ ብወገኑ፡ መጥቃዕቲ ባለስቲክ ሚሳይል ኢራን ብውሕዱ 40 እስራኤላውያን ከምዘቁሰለን ክልተ ብኸቢድ ዝተሃስዩ ምህላዎምን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ ብወገኑ ኢራን ክትሰግሮ ዘይግባኣ ቀይሕ መስመር ብምሕላፋ ከቢድ መቅጻዕቲ ክበጽሓ ከምዝኮነ”ዩ ኣጠንቂቁ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብወገኑ፡ እስራኤል ከም ግብረመልሲ ኢራን ንእትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከምዝኮነት ኣጠንቂቑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ነታንያሁ ኣብ መደሩኡ እስራኤል ምስ ህዝቢ ኢራን ዘይኮነትስ ምስ መሪሕነት ኢራን”ያ ኣብ ኲናት ዘላ ዝበለ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኢራን ዝዛረበሉ ግዜ ኣኺሉ”ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ስርዓት ግን ዓቢ ጽፍዒት ይጽበዮ ኣሎ” ክብል”ዩ ብከቢድ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ኢራናውያን ብሓባር ደው ኢሎም ኣንጻር እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ንናጽነቶም ክቃለሱ ኣለዎም” ዝበለ ናታንያሁ፡ ስግኣት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምውጋድ እስራኤል ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ምኳኑ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኢራን ብወገና፡ ድሕሪ”ቲ ምስ እስራኤል ዛኣተወቶ ግጭት ሆርሙዝ ንዝተሰምየ መጻብቦ ባሕሪ ከትዓጽዎ ከም ዝወሰነት ተገሊጹ።
ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ወሲኽካ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዓቢ ምንዋጽ ከስዕብ ዝክእል ሓደገኛ ስጉምቲ ምኳኑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ – ቁጠባኣ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝምርኮስ ምስ ምኳኑ፡ ናብዚ ኲናት ተሳሒባ ክታኣቱ ዘገድዳ ኩነታት ከይከውን”ዩ ስጋኣት ፈጢሩ ዝርከብ።