
ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ትማሊ ሰንበት 15 ሰነ 2025 ኣብ ከባቢ ራማ፡ ናይ ዘተን ምዝንጋዕን መደባት ዝሓወሰ ርክብ ከምዘካየዱ፡ ተገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ከም መቀጸልታ ናይቲ ምስ ውድብ ህወሓት ዝፈጠሮ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ፡ ዕላማ ጽምዶ ምሕያል ህዝባዊ ርክባትን ሰላማዊ ሃዋህውን ምኳኑ ንምእማን ብርክት ዝበለ መእመኒ ተዋሶኦታት ኣብ ምስራሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ውን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2018 ዝተካየደን ህዝብታት ዝተራኸብሉ ናይ ተደምረናል መድረኽ፡ ጉጅለ ህግደፍ መንጠሪ ባይታ ናይቲ ዝሓስቦ ጥፋኣት ክገብሮ እምበር ሰላማዊ ኩነታት ክሰፍን ድላይ ከምዘይብሉ ሕሉፍ ድሕረ ባይቱኡ ዝምስክሮ”ዩ።
ናብ ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ዜናዊ ትሕስቶና፡ ጉጅለ ህግደፍ መቀጸልታ ናይቲ ምስ ብዶክተር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ውድብ ህወሓት ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ፡ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ብኣንፈት ራማ ካብ ጽባሕ ሰንበት ኣትሒዙ ክፉት ንምግባሩ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ምህላዉ፡ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብቲ ከባቢ ንዝሰደዱልና ሓበሬታ ብምጥቃስ ገሊጽናዮ ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሃታ ሃታ ፖለቲካ፡ ንብዙሓት ከቢድ ዘይተመለሰ ሕቶ ኣቐሚጡ ምህላዉ”ዩ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘረጋግጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ቅሉዕ ምትፍናን ካብ ዛኣቱ ንድሓር ኣትሒዙ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስንጣቅ ህወሓት መዝሚዙ፡ ምስቲ ብዶክተር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ብምኳን ኣብ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ ተጸሚዱ ምህላውን ድሮ ውን ዓቢ ውሳነታት ንምሕላፍ ድሉው ምህላዉን ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ዶባት ትግራይ ኣካል ግዛኣት ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ብምኳኑ ግን፡ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ስጉምቲ፡ ኪንዮ”ቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምርካብ ዝብል ምክንያታቱ ዝከይድ፡ ዝገደደ ጸዋዒ ኲናት ክኸውን ከምዝክእል”ዮም ስጋኣቶም ዘቀምጡ።
ብመሰረት ፈደራላዊ ሕግታት እታ ሃገር፡ ማእከላይ መንግስቲ ንወሰናስን ዶባት እታ ሃገር ናይ ምክባርን ምሕላውን ምሉእ ሓላፍነት ከምዝስከም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ኣብ እዋን ተደምረናል ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኣይትዛረብን”ያ ዝብል ዝነበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሎሚ ንማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ዘይሓወሰ ምሉእ ዶባት ናይ ምክፋት ስጉምቲ እንተወሲዱ፡ ዘይወግዓዊ ኣዋጅ ኲናት ካብ ምኳን ዝንእስ ከምዘይኮነ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዝተካየደ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ብመንገዲ”ቲ ፖለቲካ ጽምዶ ተቀባልነት ንኽረክብ ኣብ ጻዕሪ ዝርከብ ኳደረ ኣወል ስዒድ ኣቢሉ ንምግላጹ ፍሉይ መደብ ኣዳልዩ ምህላዉ ውን ድሮ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ ኣፈኛታቱ ኣቢሉ ገሊጹ”ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት ዝካየድ ዘሎ ስግረዶባዊ ዝምድና ህወሓትን ጉጅለ ህግደፍን፡ ሕጋዊ መሰረት ስለዘይብሉ ክቀበሎ ከምዘይኮነ ንጹር ወላ ዳኣ ይኹን እምበር፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ግን ዛጊት ዝሃቦ ግብረመልሲ የለን።