
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢትዮጵያ ግብጽን ጅቡቲን ዝርከበአን ተወሰኽቲ 36 ሃገራት ኣብ ዝርዝር እገዳ መገሻ ክውስኽ ይሓስብ ከምዘሎ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ።
እቲ ሓድሽ ዝርዝር 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ንኤርትራ ሓዊስካ ዜጋታት 12 ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ እገዳ ዘንበረ ትራምፕ፡ ሕጂ ውን ተወሳኺ እገዳታት ከሕልፍ ከምዝኮነ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ እቲ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጸ ውሽጣዊ ሓበሬታ፡ ካብተን ናይ መገሻ እገዳ ክግበረለን ዝኽእላ ሃገራት ዓለም 25 ሃገራት ካብ ኣፍሪቃ ምኳነን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ: ግብጺ: ጅቡቲ: ናይጀርያን ደቡብ ሱዳንን ካብተን ኣብቲ ዝርዝር ዝርከባ ሃገራት ምኳነን”ዩ ጠቒሱ ዝርከብ።
እዚ ውሳነ ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ ብዝሒ ናይተን ብምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዋ ዝተኸልከላ ሃገራት ዓለም፡ ናብ 48 ክብ ዘብል ኮይኑ፡ እቲ ንዜጋታት ኤርትራ ሓዊሱ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዙ ድሮ ተግባራዊ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ከም ዝተፈረመ ኣረጋጊጸ ዝበለ ዘ ዋሽንግተን ፖስት፡ ኢትዮጵያ እትርከበን 36 ሃገራት ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንዝተቀመጠለን ቅድመ ኩነት ከማልኣ ከምዘለወን ዝሕብር ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ገደብ ግዜ ነቲ ቅድመ ኩነት እንተዘይኣማሊአንግን፡ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናይ ቪዛ ገደብ ከጋጥመን ምኳኑ”ዩ ዝሕብር።
ብዘይካ ኢትዮጵያ ከም ኣንጎላ: ቡርኪናፋሶ: ካሜሩን: ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ: ጋናን ኣይቮሪኮስትን ዛኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቁጽሪ ዝተመዝገባ ኮይነን፡ እቲ ዝርዝር ብዘይካ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንሃገራት ካሪብያን፡ ማእከላይ ኤስያን ደሴታት ፓስፊክን እውን ከምዘጠቓልል”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።