
ሳልሳይ መዓልቱ ሒዙ ኣብ ዘሎ ጐንጺ ኢራንን እስራኤልን፡ ነቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ዝወረደ ከቢድ ዕንወታት ዘርኢ ምስሊታት ምውጽኡ፡ እቲ ኩነታት ብዝከፈአ መልክዑ ይቅጽል ምህላዉን፡ ዝውርዶ ዘሎ ሓደጋ ብዓይነቱ ከቢድ ምኳኑን ዝረድእ ከምዝኮነ ተገሊጹ።
እስራኤል ኣብዚ ሰሙን”ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኢራን ብወገና ባለስቲክ ሚሳይላት ብምውንጫፍ ግብረመልሲ ክትህብ ምጅማራ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ግብረመልሲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሰሜናዊን ማእኸላይን ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረደ”ዩ ዝግለጽ።
እስራኤል’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ቴህራን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ብውሑድ ዓሰርተ ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 100 ሰባት ውን ከም ዝቈሰሉን ሓይሊ ዕማም ኮማንድ ፖስት እታ ሃገር ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኢራን ግን ብዛዕባ”ዚ እስራኤል ዝሃበቶ መግለጺ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበትን።
እስራኤል ድሮ ብመጥቃዕቲ ባለስቲክ ሚሳይላት ኢራን ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን እስራኤላውያን ምህላዎም ጸብጻባት እታ ሃገር ዝገልጹ ኮይኖም፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ናይ ሂወት ሓደጋ ስዒቡ ብምህላዉ፡ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ቁጠባውን ትሕተ ቅርጺ ኢራን ዝወስዶ ስጕምቲ ክሕይል ምኽንያት ክኸዉን ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብመንገዲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኢራናውያን ሲቪል ዜጋታት ካብ ወተሃደራዊ ትካላት እታ ሃገር ክርሕቑ ጥብቂ መተሓሳሰቢ ዘቅረበ ኮይኑ፡ ህዝቢ ፋብሪካታት ኣጽዋር ኰነ ወተሃደራዊ መዓስከራት ካብ ዝተደኮነሉ ከባቢ ብህጹጽ ከርሕቅ፡ ተወሳኺ መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ ውን ንከይምለሱን”ዩ ብትሪ ኣጠንቂቁ ዝርከብ።
ካብ ትማሊ ንጕሆ ጀሚረን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ቴህራን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝፈጸመቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምግላጽ ዝርከባ ኮይነን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ይጠቅሶኦ ዘይምህላወን ግን፡ እስራኤል ንእትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ዋጋ ንዘይምሃብ ምኳኑ”ዩ ዝግለጽ።
ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን ሰይድ ዓባስ ኣራግቺ ብወገኑ ንምዕባለታት ግጭት ክልቲኤን ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኒዩክለራዊ ትካላት ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብፍቃድን ሽርክነትን ኣመሪካ ዝተደገፈ ምኳኑ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ሓላፍነት ክትወስድ ከምዝግባእ”ዩ ዝገልጽ።
ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ክትኹንን ዝጸወዐ እቲ ኢራናዊ በዓል ስልጣን፡ ኣመሪካ ፍቓድ እንተዘይትህባን ደገፍ እንተዘይትገብረላን እስራኤል ደፊራ ነቲ መጥቃዕቲ ኣይምተፈጸመን ክብል”ዩ ቅሬቱኡ ኣቅሪቡ ዝርከብ።