
ናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ጽምዶ ብዝብል መለለዩ ስም ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ዝምድና ብምሉእ ልቡ ከምዝተቀበሎ፡ ንግሆን ምሸትን ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ኣብ ምግላጽ ዳኣ ይሃልዉ እምበር፡ ህዝቢ በቲ ዝካየድ ዘሎ ዝምድናታት ኣዚዩ ጉህዩ ምህላዉን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ናይ ዝተከፍለ መስዋእቲ ወግዓዊ ምንጋር ከይተገብረ፡ ምስቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝብልዎ ዝነበሩ ውድብ ዝከድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ውን፡ ንካልእ ኲናት መሰረት ዝገበረ”ዩ ብምባል ከቢድ ስጋኣት ተሰሚዕዎ ኣብ ትሒምሒም ተሓቢኡ ይነብር ምህላዉ፡ ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካይሮን ካምፓላን ካብ ዝገሹ ንምርግጋጽ ከምዝተካእለ ምንጭታትና ሓቢሮም።
ህዝቢ ኤርትራ ደላዪ ሰላምን ፍቅርን ምኳኑ፡ ብፍላይ ምስ ጎረቤቱ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ምትእስሳር ውን፡ ካብ ናይ ስጋኣት ፖለቲካ ወጽዩ ናብ ዘላቂ ሰላም ክምለስ ክቱር ባህጊ ከምዘለዎ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገለጹ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ይኹን እምበር እዚ ጉጅለ ህግደፍ ብስም ጽምዶ ዝገብሮ ዘሎ ጸደፍደፍ ንማለቱ ሰላም ዝብል ስም ይወሃቦ ዳኣ እምበር፡ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ በቲኽካ ጅሆ ብምሓዝ ተወሳኪ ግጭት ክውላዕ ዝገብር ብምኳኑ፡ ህዝቢ ዝያዳ ትማሊ ስክፍታ ተሰሚዕዎ ምህላዉ ካብ ቃላት ወለዲ ከምዘረጋገጹ”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቕሱ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝወደቑ መንእስያት ብወግዒ ከይነገረ፡ ምስቲ ኣብቲ ኲናት መባእስቱ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ዝምድና ብፍላይ ኣብ ስድራ ግዳያት ከቢድ ሕማም ፈጢሩ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ጉጅለ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ ካድራቱ ኣቢሉ ደጋጊሙ ሰላም ኣብ ባይታ ወሪዱ ክብል ወላ እንተወዓለ፡ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ስክፍታ ግን ኣዚዩ ከቢድ ምኳኑን፡ ህዝቢ ብትሒም ትሒም ሕጂ ከ እንታይ”ዩ ክመጸና ዝብል ፍርሒ ሰፊንዎ ምህላው”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ እዋን ተደምረናል ዝነበረ ናይ ሰላም ሃዋሁ፡ ህዝቢ ዘይተጸበዮ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎ ኲናት ድሕሪ ምውላዱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርጾ ናይ ሰላም መንገዲ ምስ ሓደ ጸሚድካ ነቲ ካልእ ምጥቃዕ ምኳኑ ህዝቢ ጽቡቅ ጌሩ ተረዲእዎ ምህላዉ ዝገለጹ እቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጹ ወለዲ፡ ህዝቢ ይትረፍ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝብሎ ንጽምዶ ክቅበሎ፡ ደቁ ካብ ሃገር ዘህድመሉ መንገዲ ከናዲ ይውዕል ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ናብ ምሉእ ሰላም ተመሊሱ ክነብር ክቱር ድላይ ኣለዎ ዝበሉ ምንጭታት ኤሪፒኤም ይኹን እምበር እቲ ሰላም ዝናፈቀ ህዝቢ ንጉጅለ ህግደፍ ክኣምኖ ስለዘይክእል፡ ሰላም ሰላም ዝብል ቃል ምብዝሑ፡ ኲናት ይመጽእ ኣሎ ማለት”ዩ ኢሉ ክሳቀ ጌርዎ ምህላዉ”ዮም፡ ንቃላት ወለዲ ምርኩስ ጌሮም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ዝገልጹ።