
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንምዕባለታት ግጭት ኢራንን እስራኤልን ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣበይ ተሓቢኡ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና፡ እንተዀነ ክንቀትሎ ድላይ የብልናን ክብል ገሊጹ።
ምቅንጻል መራሒ ኢራን ቀሊል ዒላማ ምኳኑ ዝገለጸ ዶናልድ ትራምፕ፡ ተሓቢእሉ ዘሎ ውሑስ ቦታ ኣመሪካን እስራኤልን ከምዝፈልጦኦ ይኩን እምበር ምቅንጻል እቲ መራሕ ተመራጺ ከምዘይኮነ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ኣማሲዩይ፡ “ሰማያት ኢራን ምሉእ ንምሉእ ተቖጻጺናዮ ኣለና” ክብል ጽሒፉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡
እቲ ፕረዚደንት፡ ምቅንጻል እቲ መራሕ ሕጂ ኣይንገብሮን ኢና ምባሉ፡ ኢራን ኣብ ድላይ ኣመሪካ እታኣትወሉ ኩነታት እንተዘይተፈጢሩ ግን እቲ ናይ ምቅንጻል ስጉምቲ ዝተርፍ ከምዘይኮነ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ምጅማር እዚ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እስራኤል ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኻሜኒ ንምቕታል ዝነበራ ውጥን ከም ዘይተቐበሎን፡ ፍቃድ ክህባ ከምዘይኮነን ተገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ይዅን’ምበር ኢራን እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ኣዚዩ ከቢድ ብምኳኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ምስ ኤቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ንጕዳይ ቅንጸላ እቲ መራሒ ይሓስበሉ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ ምንባሩ ውን ዝዝከር”ዩ።
ምቅንጻል ኣያቱላህ ኣሌ’ካሜኒ፡ “ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ንኽውዳእ ክገብር፡ ብዓቢኡ ከኣ ኲናት ኒዩክሌር’ውን ዝከላኸል ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢራን ኒዩክሌር ናይ ምምዕባል መሰል ከም ዘለዋ ተደጋጋሚ ግዜ ዝገለጸ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኣሌ”ኻሜኒ፡ ኣብዚ ሰዓት እንታይ ዓይነት ውሳነ ይውስን እቲ ዓቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
መራሒ ኢራን ኣያሁላህ ኣሌ”ካሜኒ፡ ምስ ሰይጣን ኣይንመክርን ብምባል፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ምምዕባል ኒኩለራዊ ኣጽዋር ንዘለዋ ሪኢቶ ብሰይጣን ብምምሳል ክነጽጎ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እስራኤል እትወስዶ ዘላ መጥቃዕቲ ነቲ መራሒ ናብ ናይ ጣውላ ዘተ ከቅርቦ ዝክእል እንተዘይኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ መባእታዊ ዕላማ ኣመሪካን እስራኤልን፡ 40 ዓመታት ሰንሰለት ሒዙ ዝመጽእ ዘሎ መንግስቲ ኣያቱላህ ኣሌ”ካሜኒ ካብ ስልጣኑ ንምምሓው ምኳኑ”ዩ ዝእመን።