
ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ኤርትራ ተቋየቁቲ እምበር ተቓወምቲ የብላን ብምባል፡ ካብ ሃገር ወጻኢ ንዝካየድ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ክኽሕድን ኣፍልጦ ክኸልእን ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሎሚ ኣብ ማእከል ኣስመራ ድምጺ መንእሰያት ተጠኣቒሙ ብርጌድ ንሓመዱ ኣሸባርን ገበነኛን ጉጅለ”ዩ ክብሎ ምፍታኑ፡ እቲ ጉጅለ ብመንእሰያዊ ሓይሊ ብርጌድ ንሓመዱ ክሳብ ክንደይ ርዒዱ ምህላዉን፡ ክመጾ ዝኽእል ከቢድ ማዕበል ባኣጉኡ ተገንዚብዎ ምህላዉን ዘረድእ ምኳኑ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
ካብ ግዜ ምምስራት ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኣትሒዙ፡ ወጽዓ ኣለና ንዝበሉን፡ ስርዓተ ለውጢ ንዝጠለቡን ዜጋታት ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን ብምባል ኣፍልጦ ክነፍግን፡ መንነት ክዕድልን ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሎሚ ብመንገዲ”ቶም ተጻሒፉ ዝተዋህቦም እምበር ውልቃዊ ሓሳቦም ክገልጹ ሓርነት ዘይብሎም መንእሰያት ኣቢሉ ኣብ ዘቅረቦ መጎት፡ እቲ ብምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ናይ ሽበራ ማዕበል ምኳኑን ብገበነኛታት ውልቀሰባት ዝምራሕ ምኳኑን ድሕሪ ምጥቃስ፡ መንእሰያት ተታሊሎም ኣብዚ ማዕበል ተጸንቢሮም ምህላዎም ክምዕድን ክላቦን ምፍታኑ፡ ምጽላም ብርጌድ ንሓመዱ ንስጋኣት እቲ ጉጅለ ኣጉሊሑ ዘነጽር ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት፡ ንተቃለስቲ መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ተጋሩ ዝብል ስም ኣልጊቡ ክንጽሎም ዝኣቓለስ ዝነበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ክሳብ ዓዲ ዓዲ እንዳከደ ስድራቤታት ደቀን ኣብዚ ምትእክካብ ከይጽንበራ ኣብ ምፍርራሕ በጺሑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ዘካይዶ ዝነበር ኩሉ ዓይነት ምጉብዕባዕ ፍረ ብምሳኣኑ፡ ንዝመጾ ዘሎ መንእሰያዊ ማዕበል ብምጽላም ህዝባዊ ተቀባልነት ንምምንዛዕ ይቃለስ ምህላዉ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ህዝቢ ኣብ ተንቀሳቀሲ ሞባይላት፡ ሬድዮን ሳተላይትን ናይ ቃልሲ መደባት ኣብ ምዕዛብ ተጸሚዱ ምህላዉ ዝርዳእ ጉጀለ ህግደፍ፡ መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ናብ ግብራዊ ቃልሲ እንተወሪዶም ብውሽጢ ክነቱግ ዝኽእል ሓደጋ ኣጸቢቁ ተረዲእዎ ምህላዉ ዝገለጹ ተቃለስቲ ውሽጢ ዓዲ፡ ሎሚ ብልስልስ ዝበለ ቃል ኤርትራውያን መንእሰያት ክብሎም ምፍታኑ፡ ቃልሲ ብርጌድ ንሓመዱ ህዝባዊ ባይታዊ ማዕበል ኮይኑ ክፈጥሮ ዝኽእል ሓደጋ ኣዚዩ ኣርዒድዎ ምህላዉ”ዮም ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደድዎ ሓበሬታ ዝገልጹ።