
ካብ ዞባ-ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ዶባት ሩባ መረብን ሩባ በለሳን ዝመጸና ዘሎ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ ብወገን ኤርትራ ኣብ ዳስ ጽምዶ ክሳተፉ ዝቐነዩ ወናማት ሃረምቲ ከበሮን ኣዳመቅቲ ጭቆና ስርዓት ህግደፍን ዝኾኑ ውልቀሰባት፡ መን ካብ መን ይሓይሽ ብዝብል ሕርያ ካድራት ህግደፍ ዝተመርጹ ምንባሮምን፡ ንተልእኾ ስእሊ፡ ዳንኬራ፡ ዕልልታን-መደረን፡ ብዝግባእ ይበቅዑ”ዮም ተባሂሎም ኣብቲ ዳስ ከምዝተረኽቡ ምንጭታት ገሊጾም።
እቶም ብካድራት ጉጅለ ህግደፍ ተመሪጾም ዝቐረቡ ተሳተፍቲ ዳስ ጽምዶ፡ ምስቲ ካብ ክልል ትግራይ ተወኪሉ ዝመጸ ህዝቢ እኹል ግዜ ከየሕልፉ፡ ብሒትካ ምውጋዕን፡ ፍልይ ዝበለ ምልውዋጥ ሰላምታ ከይህሉ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምጽንጻን ካድራት ህግደፍ ምንባሮም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ነቲ ዳስ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ካድራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይካ”ቶም ተመሪጾም መድረኽ ዝደየቡ ወሃብቲ ቃል፡ ህዝቢ ንሓድሕዱ ክፉት ዕላላት ንከየካይድ፡ እቲ መደብ ትልሂትን ጓይላን ጥራሕ ንክዛዘም ከምዝገበሩ”ዮም ምንጭታትና ወሲኾም ዝገልጹ።
ድሕሪ”ቲ ኣብ ሩባ መረብ ዝተካየደ ናይ ጽምዶ ዳንኬራ፡ ካብ ስቅያት ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ኣብ ኢድ እቶም ንሕስያ ዘይብሎም ደላሎ ደቂሰብ እንዳወደቑ፡ በቶም ብደረጃ ኣመራርሓን ክልቲኡ ወገን ኣባላት ሰራዊት ተወዲቦም፡ ኣብ ምሻጥን ምልዋጥን ስደተኛታትን ዝርከቡ ደላሎ እንዳተጨውዩ፡ ንዝኸፈአ ሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ሃዲሞም ናብ ትግራይ ዝሰገሩ መንእሰያት፡ ዝተሓተትዎ ገንዘብ ክኸፍሉ እንተዘይኪኢሎም ብግዴታ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ምርካብ ውን ዘሰክፍ ሓድሽ ተርእዮ ኮይኑ ይረአ ምህላዉ ውን”ዩ ዝገልጹ።
በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ፡ ነፍሲ ወከፎም 5 ሽሕዶላር ክኸፍሉ ዝሕተቱ ዝነበሩን መብዛሕቶኦም ውን ዝተሓተትዎ ገንዘብ ዝከፈሉን 28 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሎሚ’ ዶ ጽባሕ ይሰዱና ኣብ ዝብልሉ ዝነበሩ እዋን ኣብ መንጎ እቶም ኣስገርቲ ባእሲ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ገለ ካብኣቶም ተኸዊሎም ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምሕባሮም፡ ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ትግራይ ናብቲ ቦታ ከይዶም ብምርግጋጽ፡ ነቶም ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ከምዝመለስዎምን፡ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘረከብዎምን፡ ምንጭታትና ካብ ስድራ ግዳያት ንዝረኸብዎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ገሊጾም።