
ዝሓለፈ ዓርቢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዝኸፈተቶ መጥቃዕቲን፡ ኢራን ዝወሰደቶ ግብረመልስን ስዒቡ፡ ወጥሪ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝሓለፈ ብዝከፈአ መልክዑ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ዓሪጉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ቑጠባዊ ቀውሲ ኣኸቲሉ ዋጋ ነዳዲ ብናህሪ ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኢራንን እስራኤልን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ወግዓዊ ግጭት ድሕሪ ምእታወን፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብልዕሊ 10 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘራኣየ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዕዳጋ ቀውሲ፡ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣትሒዙ ዝተራእየ ዝለዓለ ደረጃ ወሰኽ ዋጋ ኰይኑ ተመዝጊቡ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት፡ ብነዳዲ ሃብታም ኣብ ዝዀነ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብምኳኑ፡ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ንዝመጽእ ቀረብ ነዳዲ ከይዓግቶ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብ ከቢድ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብተዓጻጻፊ እንተወሲኹ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ከይተረፈ ክጽሎ ብምዃኑ እቲ ግጭት ዓለምለካዊ ቀውሲ ከኸትል”ዩ ዝብል ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተወሰነ ምንቍልቋል ዋጋ ኣርእዩ ምንባሩ ዝገለጸ ቢቢሲ፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ግን ካብ ቅድሚ’ቲ ግጭት ዝጀመረሉ መዓልቲ ኣትሒዙ ናይ 5 ሚእታዊት ወሰኽ ምግባሩ፡ ከቢድ ሻቅሎት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ለንደን 72.80 ዶላር፡ ኣብ ኒውዮርክ ከኣ 73.20 ዶላር በጺሑ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ቁጽሪ ብ10% ዝዓቢ ምኳኑ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ከይፍጠር ስጋኣት ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።