
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ትማሊ ምስ ወኸልቲ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ሕቶኣ ህልውና መሰረት ዝገበረ ሕቶ ምኳኑን፡ ይጽንሓለይ ዝበሃሎ ኣጀንዳ ከምዘይኮነን ድሕሪ ምግላጹ፡ ናይ ሉኡላውነት ሕቶ ኢትዮጵያ ፍጹም ኣብ ሓደጋ ዝወድቅ ኣይኮነን ድሕሪ ምባሉ፡ ንውልቀመላኺ ኢሰያስ “የመንደር ጎረምሳ” ክብል ቃል ብቓሉ ክዝልፎ ተሰሚዑ።
ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መደሩኡ፡ ኢትዮጵያ እትሓቶ ዘላ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንህዝብታት እታ ሃገር ናይ ህላወ ሕቶ ምኳኑ ጸቂጡ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኤርትራ ጁቡቲ ከሙኡ ውን ሶማል ሕቶ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ዕብየት መሰረት ዝገበረ ምኳኑ ተረዲኤን፡ ጻውዒት እታ ሃገር ክሓስባሉ ከምዝግባእ ድሕሪ ምሕታቱ”ዩ፡ ኢትዮጵያ ብ “የመንደር ጎረምሳ” ክብል ዝገለጾ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ሓደጋ ዝወድቅ ህላወ የብላን ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተኸዊሉ ኢትዮጵያ ንምርባሽን መንግስቲ ንምዕናውን ዕጡቓት ኣብ ምምልማል ኣሎ ዝብሎ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ተደጋጋሚ ግዜ “የመንደር ጎረምሳ” ክብል ከምዝጠቐሶ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንኢትዮጵያ ከም ጅሆ ብምሓዝ ካብ ውሽጣዊ ህዝባዊ ሕቶታት ኤርትራ ንምህዳም ዝገብሮ ፈተነ ክዕወት ከምዘይኮነ”ዩ ዝገልጽ።
ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብቲ ናይ ትማሊ ዘተ፡ ኣብ ድሕሪ ካሜራ ኢትዮጵያ ንዓሰብ ተቆጻጺራ፡ ነቲ በረኻ ኮይኑ ዘሎ ወደብ ብኮሪደር ልምዓት ሃኒጻ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝነብሮ ከተማ ንምግባሩ መደብ ሒዛ ምህላዋ፡ ንወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር ከምዝገለጸሎም ውን፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝገለጻ ኮይነን፡ ይኹን እምበር እቲ ዶክተር ኣብይ ኢልዎ ዝተባህለ ቃል ሓቅነት ኣለዎ ዲዩ ዋላስ ጉጅለ ህግደፍ ሉኡላውነት ዝደፍር ወራር ይመጸካ ኣሎ ንምባል ዝገብሮ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ሓበሬታ”ዩ ግን ንጹር ስእሊ ዘይምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኑ ንኽስለፍ፡ ብጉዳይ ሉኡላውነትን ምውራር ሃገርን ዝተፈብረኸ ዜናታት እንዳፈነወ ህዝቢ ከርዕድ ከምዝቃለስ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ትማሊ ዶክተር ኣብይ ኢልዎ ዝተባህለ ቃል ውን፡ ኣካል ናይቲ ፒለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ዝገብር ፕሮፖጋንዳ ክኸውን ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።