
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ቤት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣቢሉ፡ ናብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ከሙኡ ውን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ብውልቃዊ ጉዳያት ንወጻኢ ሃገራት ዝግበር ዝነበረ መገሻ ሃይማኖታውያን ኣገልገልቲ፡ ደው ኢሉ ምህላዉን፡ ፍቃድ ቪዛ ክህብ ከምዘይኮነን ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣትሒዙ፡ ካብ ሃገር ብሕጋዊ ፍቃድ እቲ ጉጅለ ንዝግበር ዝነበረ መገሻታት ኣብ ምእጋድን፡ ናይ ዕድመ ገደብ ኣብ ምቅማጥን ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ካብ ሰራዊት ንዝተፋነዋ ኣንስቲ ሓዳርን ዝወለዳ ደቂ ኣንስትዮን ከይተረፈ ናብ ኣሃዱታተን ክምለሳ ጸዊዑ ምህላዉ ኣብ እዋን ገሊጽና ምንባርና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ቪዛ እገዳ ኣብ ሃይማኖታውያን ትካላት ውን፡ መቀጸልታ ናይቲ ዜጋዊ ጸጋታት ሃገር ናብ ኲናት ንምስላፍ ዝገብሮ ዘሎ ኣሰካፍ ንጥፈታት ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
እዚ ብመንገዲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ ናብ ቤተ እምነታት ዝተላእከ ደብዳበ፡ ብዘይካ ልዕሊ 75 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታትን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንክሕከሙ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍቃድ ቦርድ ዝረከቡ ዜጋታትን፡ ካሎኦት ፍቃድ ቪዛ ክረክቡ ከምዘይኮኑ ዘነጸረ ኮይኑ፡ ናይ ሕክምና ፍቃድ ንዘለዎም ዜጋታት ዝወሃብ ፍቃድ ውን፡ ወረቐቶም ብቤትጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣቢሉ መሰነይታ ደብዳበ ረኺቡ ናብ ክፍሊ ኢሜግሬሽን ድሕሪ ምኻዱ፡ ተጸኒዑ ዝወሃቦም ፍቓድ ከምዝኮነ”ዩ ዘነጽር።
ብስራሕ ምክንያት ካብ ቤተክርስቲያን ፍቓድ ረኪቦም ንመገሻ ክወጹ ዝፍቀዶም ውን ልዕሊ 50 ዓመት ደቂ ተብዓትዮን፡ ልዕሊ 40 ደቂ ኣንስቲዮን ምኳኖም ኣብቲ ደብዳበ ዘነጸረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ትሕቲ”ዚ ዝተጠቅሰ ዕድመ ዝርከብ ዝኮነ ይኩን ዜጋ፡ ናይ መውጺ ፍቃድ ክረክብ ከምዘይኮነ”ዩ ዝእውጅ።
ደላዪ ሰላም መሲሉ ዝዋሳእን፡ ተሓላቂ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን መሲሉ ክረአ ዝቃለስን ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ትግራይ ፈጢርዎ ንዘሎ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ ቅቡሉነት ከልብስ ብምባል፡ ደጊም ኲናት ከምዘየለን፡ ኣብ ዶብ ክልቲኡ ሃገር ዝኮነ ይኩን ሽግራት ክፍጠር ከምዘይኮነን ኣብ ምግላጽ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ኣብ ሰራዊት ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃሳትን፡ ኣብ ህዝቢ ዝእውጆ ዘሎ ሓድሽ ኣዋጃትን ግን ህግደፍ ኩለመዳያዊ ምድላዋት ኲናት ኣብ ምጽፋፍ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ብ ኮኾብ መሓሪ