
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ስደተኛታት ካብ ዓዶም ወጻኢ ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምስጓግ መስርሕ ዳግማይ ክጅምሮ ፍቓድ ከምዝሃቦ ተገሊጹ።
ደያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ነዚ ዘጽደቁ ብናይ 6 ብ 3 ድምጺ ብልጫ ከምዝኮነ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ስደተኛታት ድሕሪ ምስጓጐም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት ንከረድእ ትርጕም ዘለዎ ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ ንዝብል ብታሕተዋይ ቤትፍርዲ እታ ዝቐረበ ውሳነ ውዱቕ ጌርዎ ምህላዉን፡ ሰለስተ ሊበራላውያን ዝኮኑ ደያኑ ውን፡ እቲ ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ዝተዋህበ ውሳነ፡ ሕጊ ኣልቦነት ዘግዝም ውሳነ”ዩ ብምባል ተቓውሞኦም ኣብ ምግላጽ ምህላዎምን”ዩ ዘረድእ።
ኣብ ግዛኣት ቦስተን ዝሰርሕ ዳኛ ብራያን መርፊ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስጓግ ስደተኛታት ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝወጸ ሕጊ ከም ዝጠሓሰ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ስደተኛታት ዋላ’ውን ሕጋዊ ናይ ይግባይ መሰሎም እንተ ዘይተዓወተ፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ተላኢኾም ክሳቐዩ ወይ ውን ክቕተሉ ዝኽእሉ እንተዀይኖም ክዛረቡ ክኽእሉ ዝብል መሰል ዘቀመጠ ሕጊ እታ ሃገር በቲ ውሳነ ተጣሒሱ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሸሞንተ ናይ ምጥራዝ ውሳነ ተመሓላሊፍሎም ዘሎ ስደተኛታት፡ ኣብ ኣመሪካ ከም ቅትለት፡ ምቅጻልን ዕጥቃዊ ምዝማትን ዛኣመሰለ “ጽዩፍ ገበናት” ከም ዝፈጸሙ ዝከስስ ኮይኑ፡ ጠበቓታት ናይቶም ስደተኛታት ባኣንጻሩ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቡዎ ጥርዓን፡ ዝበዝሑ ካብቶም እሱራት ገበናዊ ፍርዲ ከም ዘይብሎም”ዩ ኣብ ምግላጽ ዝርከቡ።