
መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣማሲዩኡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢሉ ናብ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ንምፍጽም ይዳሎ ምህላዉ ከሲሱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናብ ብርክት ዝበላ ሃገራትን ዓለምለካውያን ውድባትን ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ንምፍታሕ ኣብ 2018 ዓለምለካዊ ኣድናቆት ዘትረፈ ውሳነ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ውዕል ኣልጀርስ ብሰላም ምፍጻም፡ ምጅማር ንግዳዊ ርክባት፡ መስመር ቴለኮምኒኬሽን፡ ምሕያል ህዝባዊ ርክባት፡ ምእንጋድ ልዕሊ 72 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልእን ዝበለ ሰናይ ስጉምቲ ምውሳዳ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ካብ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ኣትሒዙ፡ ኢትዮጵያ ንምውራር ኩሉ ዓይነት ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ምህላዉ”ዩ ከሲሱ ዝርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ኣትሒዙ፡ ኣብ ቅሉዕ ምትኹታኽ ንዂናት ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ደብዳበ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ጥራሕ፡ ከም ምትካል መፈተሺ ነቁጣ ኣብ ውሽጢ ግዛኣት ኢትዮጵያ፡ ምትእትታዉ ስለያዊ መሓውራት፡ ምድፋር ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምእጋድ መንግስታዊ ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምድጋፍን ምዕጣቅን ንመንግስቲ ዝቃወሙ ኣካላት፡ ምግዳድ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ ኢትዮጵያን፡ ምጥሓስ መሰረታዊ ስምምዓት ሰላም 2018 ዛኣመሰሉ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ምህላዉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኩነታት ክዕዘቦን ብዕሽሽታ ክሓልፎ ከምዘይግባእን”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መግለጺኡ ቅዋምን ድላይን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርጉእ ሰላም ምፍጣር ምኳኑ ዝጠቀሰ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሉኡላው ግዛኣት ኢትዮጵያ ዝግበሮ ዘሎ ምትኩታኳት ደው ከብሎ እንተዘይኪኢሉን ማሕበረሰብ ዓለም መፍትሒ ከቐምጥ እንተዘይጽዒሩን፡ ኢትዮጵያ ሉኡላዊ መሰላታ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋን ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ክትህቦ ከምዝኮነትን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።