
ድምጺ ተቃውሞን ዝተፈልየ ሓሳብን ዘርዕዶ ጉጅለ ህግደፍ፡ መቀጸልታ ናይቲ በበግዚኡ ከካይዶ ዝጸንሐ ስግረዶባዊ ናይ ጭውያን ምስዋርን ተግባራቱ፡ ሕጂ ውን ንፖለቲካ ጽምዶ ከም ጉልባብ ተጠቒሙ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ክንቀሳቀሱ ንዝጸንሑ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንምጭዋይን ምስዋርን ኣሃዱታት ስለያ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከምዝብተና ጌሩ ምህላዉ ካብ ትግራይ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ወላ ውን ንኑኡስ ውልቃዊ ተቓውሞ ከም ስጋኣት ስልጣን ጠሚቱ ብጥንቓቀ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት ናይ ተቃውሞ ድምጺ ብምዕባስን ብምስዋርን ናይ ስልጣን ዘመኑ ኣብ ምንዋሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ስለያዊ ምንቅስቃሳት ውን መቀጸልታ ሕሉፍ ባህሪያት ናይቲ ጉጅለ ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ንዝሓለፈ ብርክት ዝበለ ዓመታት ኣንጻር ዓመጸን ጭቆናን ጉጅለ ህግደፍ ንዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ መሰረት ኮይና ዝጸንሐት ትግራይ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ከበባ ኣባላት ስለያ ጉጅለ ህግደፍ ወዲቓ ምህላዋ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ጉጅለ ህግደፍ ልክዕ ከምቲ ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ጭውያን ምስዋርን ተግባራት፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ሲቪል ክዳን ተከዲኖም ብዝንቀሳቀሱ ኣባላት ጭውያን ምስዋርን ኣብ ትግራይ ይፍጽሞ ምህላዉን ተቃለስቲ ኣብ ጉዕዞኦም ጥንቃቀ ከዘውትሩ ከምዝግባእን”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2018 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ከይተረፈ ዜጋታት ኣብ ምጭዋይን ምስዋርን ተዋፊሩ ምንባሩ ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ ዝጠቐሰ እቲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ፡ ህዝባዊ ተቃውሞን ዝተፈለየ ሓሳብን ዘርዕዶ ጉጅለ ህግደፍ፡ ግዙፍ ባጀት ሰሊዑ ንምስዋርን ምጭዋይን ከም መናዊሕ ስልጣን ዝጥቀም ጉጅለ ብምኳኑ፡ ቃልስና ኣዚዩ ጥንቓቀ ዝተመልኦ ክኸውን ከምዝግባእ”ዩ ዘተሓሳስብ።
ኣብ ፖለቲካ ጽምዶ ተሓቢኡ ደላዪ ሰላም መሲሉ ክረአ ዝጽዕር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ብልሳን ካድራቱ ኣቢሉ ዝገልጾ ዘሎ ሰላምን ቃሳነትን ጌና ኣብ ባይታ ከይተራእየ፡ ትግራይ መዋፈሪት ናይ ስለያ መሓውራቱ ክገብራ ይሰርሕ ምህላዉ፡ ዕላማ እቲ ጉጅለ እንታይ ምኳኑ ብቅልል ዝበለ መንገዲ ንክትርዳእ ዝገብር ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ፡ ህዝቢ ትግራይ ውን እቲ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ዝምድና ኪንዮ ሰላም ካልእ ተንኮላት ናይቲ ጉጅለ ዝሓዘ ምኳኑ ተረዲኡ ብኩቱር ስክፍታ ዓቃባዊ ኮይኑ ብምህላዉ፡ ህግደፍ ንዝህቢ ትግራይ ከይተረፈ ኣብ ስለያዊ ተጠንቐቅ ኣቀሚጡ ይዕዘቦ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ህዝቢ ትግራይ በቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝረኣዮ ጭካነ፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዘለዎ ሕማቅ ስእሊ ክሕጸበሉ ብዘይምኽኣሉ፡ ፖለቲካ ጽምዶ ኪንዮ እቲ ኣብ ሚዲያታት ዝግበር ዘሎ ናይ ሓሶት መናውራ፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ስምዒት ክፈጥር ከምዘይከኣለ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝሕብሮ ኮይኑ፡ ስምዒት ህዝቢ ዝሰኣነ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ትግራይ ሓቢእዎም ንዘሎ ተቃለስቲ ክሃድን ብዝብል ዕላማ ኣብ ትግራይ ይንቀሳቀስ ምህላዉን ተቓለስቲ ኣብ ምንቅስቃሳቶም ጥንቃቀታት ከቀድሙን”ዩ እቲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘተሓሳስብ።