
ካብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ማይካድራ ሓደሽቲ መዳፍዓት ኣብ ምትካል ተጸሚዱ ምህላዉን፡ ብወገን ኤርትራ ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢታት ኦምሓጀር ዝጸንሐ ኣጋር ሰራዊት ናብ ወሰናስን ዶባት ተጸጊዑ ናይ ተጠንቀቅ ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣብ ተዳሎ ከምዘሎን፡ ካብቲ ከባቢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ፈደራልን ጉጅለ ህግደፍን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ምትፍናን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየለ ኣብ ዝከደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ወሰናስን ከባቢታት ማይ ካድራ ከቢድ ብረት ኣብ ምትካልን ካብ ማእከል ሃገር ውን ሰራዊት ኣብ ምግዓዝን ተጸሚዱ ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ፡ ጉጅለ ህግደፍ ውን ብተመሳሳሊ ብከባቢታት ኦምሓጀር ዝጸንሐ ኣሃዱታት ኣጋር ሰራዊት ናብ ወሰናስን ዶባት ተጸጊዑ ኣብ ናይ ተጠንቀቅ ኩነታት ክጸንሕ ትእዛዝ ሂቡ ምህላዉ”ዩ ምንጭታትና ዝገልጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ፈደራል ሓራ መሬት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢታት ናይ ክልል ዓፋር ብምኳን፡ ኣንጻር ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምክያድ ኣብ ምንቅስቓስ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ናይ ኣጽዋር ደገፋት ይገብር ምህላዉ ምንጭታትና ገሊጾም።
ንወተሃደራዊ ክንፊ ሰራዊት ትግራይ ተቆጻጺሩ፡ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ዝርከብ ናይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ውድብ ህወሓት፡ ካብ ሕገ መንግስታዊ መሰል ወጻኢ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ምሕዝነት ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቑጥዐ ዝፈጠረ ክስተት ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብስም ጽምዶ ተፈጢሩ ዘሎ ስልታዊ ፖለቲካዊ ዝምድናታቶም፡ ንማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ዕላማ ዝገበረ ብምኳኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ውን ብግዱኡ ኣንጻራዊ ዕላማ ሒዙ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ኩነታት እንተተፈጢሩ፡ ምንቅስቃስ ኩሎም ሓይልታት ንክልል ዓፋር ናብ ዓውደ ግንባር ዝቅይር ብምኳኑ፡ ህዝቢ ዓፋር ከሎ ገና ተቓውሙኡ ኣብ ምስማዕ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።