
ጉጅለ ህግደፍ ትማሊ ኣማስያኡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝጥቅን ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት የካይድ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኣብቲ ዝቀረበ ናይ ግብረመልሲ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኲናት ንምውላዕን፡ ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል ኣላ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ ብምባል፡ ንዘካይዶ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ኲናት ብምክዋል”ዩ ነቲ ብመንገዲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተጻሕፈ ደብዳበ ከሲሱ ዝርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትፍናን ብዝምልከት ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ማሕበረሰብ ዓለም ጥርዓናት ከም ዘቅረበ ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ጥርዓናት ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ከምዝበጽሐ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቀሰ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ኲናት ምንውላዕ ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ምኽንያት ትደሊ ኣላ ብምባል”ዩ ክሱ ኣቀሚጡ ዝርከብ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቡኡ፡ ብተደጋጋሚ ምትዂታዂ ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ንኤርትራ ብሓሶት ከምዘጸለመን ከምዝኸሰሰን ዝገለጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ እዚ ተዂታዂ ተግባራት’ዚ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ከቢድ ናይ ሓደጋ ደወል”ዩ ብምባል”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ባዕሉ ዝዝውሮ መንግስቲ ዝመርሓ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ኣብ ናይ ዓመታት ቃልሲ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኩሉ”ቲ ብስም ሰላም ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝገብሮ ገበናት ብምክዋል፡ ተፈጢሩ ዘሎ ዘየድሊ ወጥሪ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬትን ግዝኣት ኣፍደገ ባሕሪ ጐረቤት ሃገር ንምጉባጥ ካብ ዘለዎ ዘይሕጋውን እዉጅን ጥሙሕ ዝመንጨወ’ዩ ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ነቲ ምስ ገለ ክፋል ህወሓትን ዕጡቃት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራን ተላፊኖም ዘካይዶ ዘሎ ስግረዶባዊ ዝምድናታት ጎስዩ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብጥሕሰት ሕጊ ክኸሶ ምፍታኑ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክምዕብል ዝጸንሐ ምትፍናን ይዓርግ ምህላዉ”ዩ ዘመልክት።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢሉ ናብ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝለኣኮ ደብዳበ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ንምፍጽም ይዳሎ ምህላዉ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ትማሊ ዘውጾኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ውን ካብዚ ዝተበገሰ ናይ ግብረመልሲ መግለጺ ምኳኑ”ዩ ዘረጋግጽ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናብ ብርክት ዝበላ ሃገራትን ዓለምለካውያን ውድባትን ዝለኣኮ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ንምፍታሕ ኣብ 2018 ዓለምለካዊ ኣድናቆት ዘትረፈ ውሳነ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ውዕል ኣልጀርስ ብሰላም ምፍጻም፡ ምጅማር ንግዳዊ ርክባት፡ መስመር ቴለኮምኒኬሽን፡ ምሕያል ህዝባዊ ርክባት፡ ምእንጋድ ልዕሊ 72 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልእን ዝበለ ሰናይ ስጉምቲ ምውሳዳ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ካብ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ኣትሒዙ፡ ኢትዮጵያ ንምውራር ኩሉ ዓይነት ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ምህላዉ”ዩ ዝከስስ ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ኣትሒዙ፡ ኣብ ቅሉዕ ምትኹታኽ ንዂናት ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ደብዳበ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ጥራሕ፡ ከም ምትካል መፈተሺ ነቁጣ ኣብ ውሽጢ ግዛኣት ኢትዮጵያ፡ ምትእትታዉ ስለያዊ መሓውራት፡ ምድፋር ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምእጋድ መንግስታዊ ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምድጋፍን ምዕጣቅን ንመንግስቲ ዝቓወሙ ኣካላት፡ ምግዳድ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ ኢትዮጵያን፡ ምጥሓስ መሰረታዊ ስምምዓት ሰላም 2018 ዛኣመሰሉ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ምህላዉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኩነታት ክዕዘቦን ብዕሽሽታ ክሓልፎ ከምዘይግባእን”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መግለጺኡ ቅዋምን ድላይን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርጉእ ሰላም ምፍጣር ምኳኑ ዝጠቀሰ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ዝግበሮ ዘሎ ምትኹታኳት ደው ከብሎ እንተዘይኪኢሉን ማሕበረሰብ ዓለም መፍትሒ ከቀምጥ እንተዘይጽዒሩን፡ ኢትዮጵያ ሉኡላዊ መሬታ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋን ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ክትህብን ‘ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።