
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ንጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ንዝጸንሐ ኮሚተ ሓይሊ ዕማም ሕቡራት ሃገራት፡ ስርሑ ደው ንከብል ጠለብ ከምዘቅረበን ኣብ ጻዕሪ ምህላውን፡ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንዝተላእከ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ሮይተርስ ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ጭካነ ብዝተመሎኦ ምልካዊ ኣገባብ ምሕደሩኡ ዘተግብርን፡ ሰባኣዊ መሰል ዜጋታት ዝግህስን ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዝሓለፈ ኣስታት 12 ዓመታት፡ በዚ ናይ ሰባኣዊ መሰላት ኮሚተ ክቀርበሉ ንዝጸንሐ ክስታት ተደጋጋሚ ግዜ ክነጽጎ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ኮሚተ ካብ ሃገር ንክትወጽእ ወግዓዊ ሕቶ ምቅራቡ፡ ገበናት እቲ ጉጅለ ንምሽፋን ዝቀረበ ሕቶ ምኳኑ ንጹር ብምኳኑ፡ እቲ መሰል ዜጋታት ናይ ምክባር ሓላፍነት፡ ከም ኤርትራ ብዛኣመሰላ ካልሎት ሃገራት ንከይድፈር፡ ጠለብ እቲ ጉጅለ ተቀባልነት ክረክብ ከምዘይግባእ”ዮም ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላት ሪኢቶኦም ዘቀምጡ።
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ብ16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ኤርትራ ፍጹም ከም ዘይተመሓየሸ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ጉዳይ ሰባኣዊ መሰል ዜጋታት ዝኽተሎ ኣስካሕካሒ ኩነታት ውጹእ ጠቀነ ብምባል ክኽሕዶ”ዩ ተሰሚዑ።
መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ንቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ምስዋር ተቓውሞኦም ዝገለጹ ዜጋታት፡ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ካልእን ይቕጽል ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡
እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት ካብ ዶባት እታ ሃገር ሰጊሩ ናብ ዳያስፖራ ውን ከም ዝዝርጋሕ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብቲ መጋባእያ ዝተረኽበ ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ሃብቶም ዘርኣይ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ “ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ’ዩ” ክብል ብምንጻግ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ርትዓዊ ከም ዘይኰነ ብድፍረት ክነቅፍ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም ገበናት ምሉእ ብምሉእ ክኽሕዶ ምፍታኑ፡ ኣብ እዋኑ ንብዙሓት ተሓለቅቲ ሰባኣዊ መሰላት ኣግርሞት ዝፈጠረ ክስተት ምንባሩ ኣይርሳዕን።