
ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ሃገር ተቓውሞታቶም ከስምዑ ዝተራእዩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኬንያውያን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዊልያም ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጠልቡ ምህላዎም ተገሊጹ።
ኣብቲ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት፡ ብውሕዱ ኣስታት 16 ሰባት ከምዝተቐተሉን፡ ከቢድን ፎኪስን ማህረምቲ ዝገጠሞም ብርክት ዝበሉ ሰልፈኛታት ከምዘለዉን፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናሽናል ጨንፈር ኬንያ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ማዕከን ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ብወገኑ፡ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ቆሲሎም ምህላዎም”ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት ጸብጻብ ተጣበቕቲ ሰባኣዊ መሰላት፡ በቲ ተወሊዑ ዘሎ ህዝባዊ ተቃውሞ፡ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ሰባት ቆሲሎም ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብጥይት ዝቆሰሉ ሸሞንተ ዜጋታት ኣብቲ ቁጽሪ ከምዘለዉን፡ ካሎኦት 83 ዜጋታት ውን ናብ ፍሉይ ሕክምና ተወሲዶም ከምዘለዉ”ዩ፡ ማሕበር ሕክምና ኬንያን፡ ማሕበር ሕጊ ኬንያን ጉጅለ ስራሕ ተሃድሶ ፖሊስን ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ዘነጽር።
እቲ ካብ 25 ሰነ 2025 ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ፡ ሞምባሳ፡ ኪሱን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣንጻር ኣካታዒ እማመ ፋይናንስ መንግስቲ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ንምዝካር ዝዓለመ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናዕበኛታት ንሰላምን ምርግጋእን እታ ሃገር ካብ ምፍራስ ክቑጠቡ”ዩ ምሕጽንቱኡ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ነቲ መንግስቱ ዘቕረቦ ወሰኽ ግብሪ መንግስቲ ብሰንኪ”ቲ ዝተወልዐ ከቢስ ህዝባዊ ተቃውሞ ክስሕብ’ኳ እንተተገደደ፡ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ግን ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ጻውዒታትን፡ ንጭካነ ፖሊስ ዝግለጽ ቁጥዐን ብምቅያሩ ኣብ እዋኑ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ኣይርሳዕን።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ወጻኢ ከምዘሎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ “ኬንያ ሃገርና’ያ፡ ስለዚ ሰላማ ክንሕልዎ ኣለና። ካብ ሕጊ ወጻኢ ክንንቀሳቐስ የብልናን” ብምባል፡ ናብ ጎደና ወጽዩ ዝርከብ ህዝባዊ ተቃውሞታት ደው ክብል እኳ እንተጸወዐ፡ ፖሊስ ዝወስዶ ዘሎ ብረት ዝሓወሰ ስጉምቲ ግን ሓደገኛ ነድሪ ይፈጥር ብምህላዉ ደው ክብል ከምዘይከኣለ”ዩ ዝንገር።
ዊልያም ሩቶ “ተቓውሞታት ንኬንያ ከዕንዉዋ የብሎምን፡ ነገራት ምስ ከፍኡ እንኸዶ ካልእ ሃገር የብልናን” ክብል እቲ ናዕቢ ክሃድእ ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣብ ምቅራብ ወላ እንተሃለወ፡ ሰልፈኛታት ግን ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ሕቶኦም ደው ክብል ከምዘይኮነ ኣብ ምግላጽ”ዮም ዝርከቡ።
ኣብቲ ኣብ 2024 ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግዚኡ ምግላጾም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ጸረ-መንግስታዊ ተቓውሞታት፡ ገለ ካብቶም ተቓውሞታት ዘስምዑ ሰልፈኛታት ናብ ውሽጢ ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ብምእታው ንብረት ከዕንዉ ኣብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ተራእዩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እዚ ነቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልፊ ዝሞቱ ሰባት ንምዝካር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዝከፈአ መልክዑ ኣዚዩ ሓደገኛ ኮይኑ ብምቅራቡ፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ናይሮቢን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ተዋፊሮም ነቲ ተቃውሞ ደው ንምባሉ ኣብ ስራሕ ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ህዝባዊ ተቃውሞ ካብ 47 ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ኣብተን 20 ይካየድ ከምዘሎን ምዕባለታቱ ኣሰካፊ ምኳኑን ኣብታ ሃገር ዓቢ ተቐባልነት ዘለዋ ዓባይ ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ትገልጽ።
ኣብተን ተቓውሞታት ዘአንግዳ ዘለዋ ዓበይቲ ከተማታት፡ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ይጥቀም ምህላዉ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ሰልፈኛታት “ሩቶ ይውረድ” ዝብል ጭርሖ እናስምዑ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ይጠልቡ ምህላዎም”ዩ ዝንገር።
ክሳብ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞታት፡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ጥራይ ብውሕዱ ኣስታት 50 ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከን ሓበሬታ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ሃገራዊ ሆስፒታል ኬንያታ ዝተፈላለየ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ሰባት ተቐቢሉ ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ምህላዉ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ውን መደበራት ቴሌቪዥንን ሬድዮን ቀጥታዊ ሽፋን ከቋርጹ ትእዛዝ ሂቡ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።