
ሰብመዚ ኢራን፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት እስራኤልን ኢራን፡ ምስ ትካላት ስለያ እስራኤል ምትእስሳር ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም ዜጋታት ናይ ማእሰርትን መርሸንትን ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ምህላዎም ተገሊጹ።
ሰብመዚ ኢራን፡ እቶም ምስ እስራኤል ዝተሰለፉ ሰለይቲ ዜጋታት፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዕ ናብ ኣገልግሎት ሃገራዊ ድሕነት ኢራን ሰሊኾም ከም ዝኣተዉን፡ ኣብቲ እስራኤል ዘውረደቶ ዕንወት ውን ኢዶም ከም ዝሓወሱን ብምግላጽ”ዩ ነዚ ናይ ማእሰርትን መርሸንትን ስጉምቲ ከምዝፈጸመ ዝገልጽ።
በቶም ብክድዓት ሃገር ዝተከሱ ዜጋታት ንእስራኤል ተመሓላሊፉ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ንዝተፈጸመ ተኸታታሊ ቅንጸላ ሰበስልጣናት እታ ሃገር ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮ ዝእመን ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን፡ ስነፍልጠተኛታት ንዩክለርን ኢራን ዝተወስደ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ፡ ናብ ውሽጢ ኢራን ብዝኣተዉ ሰለይቲ ሞሳድ ከም ዝተፈጸመ ብምኳኑ፡ ኢራን ብሞት ማእሰርትን ክትቀጽዖም ምውሳና”ዩ ዝንገር።
ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ሰበስልጣናት ሃገራዊ ድሕነት ሰውራ ኢራን ዝተወስደ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ከቢድ ነውጺ ከምዝፈጠረ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ ጸጥታ ሃገር ንምውሓስ ብዝብል ምኽንያት ሰሊኾም ኣትዮም ንዝበሎምን ብክሕደት ሃገር ዝጠርጠሮም ኢራውያንን፡ ዕላማ ዝገበረ ናይ ምቅንጻል ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ምህላዉ ምግላጹ፡ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝተፈራረቀ ስምዒት ከምዘሕደረን፡ ህዝባዊ ተቓውሞታት ንምዕባስን ህዝቢ ንምስንባድን ዝተወስደ ስጉምቲ ክኸውን ይክእል”ዩ ዝብል ስክፍታ ከምዝፈጠረን ውን”ዩ ዝንገር።
ኣብ’ቲ ን12 መዓልታት ዝተኻየደ ኵናት፡ ሰብመዚ ኢራን ብስለያን ክሕደት ሃገርን ዝኸሰሶም ሰለስተ ሰባት ከምዝረሸነ ኣብ ግዚኡ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝተከተመሉ መዓልቲ ውን ካልኦት ሰለስተ ሰባት ብተመሳሳሊ ክሲ ብምርሻኑ፡ ቁጽሪ ብ ኢራን ዝተረሸኑ ዜጋታት 6 ምብጽሑ”ዩ ዝንገር።
መንግስቲ ኢራን፡ ኲናት ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዞም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብስለያ ንዝተጠርጠሩ ኣማኢት ሰባት ከም ዝቀየደን ኣብ ምቅያድ ምህላውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስታዊ ተሌቭዥን እታ ሃገር ውን፡ ምስ ትካል ስለያ ሞሳድ ናይ እስራኤል ከም ዝተሓባበሩ ናይ ዝተኣመኑ እሱራት ቃል እምነት ኣቓሊሑ”ዩ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኮኑ ትካላት፡ መንግስቲ ኢራን ገበን ዘይፈጸሙ ሰባት ብኣስገዳድ ንኽኣምኑ ብምግባርን ዘይፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ ብምክያድን ነዊሕ ዝጸንሐ ልምዲ ከም ዘለዎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ፡ ድምጾም ዝተዓብሰ ግዳያት ከይህልዉ ሻቅሎት ከምዘለዎም ኢዮም ዝገልጹ።