
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ምቅልጣፍ ዓቢ እጃም ንዝነበረን ናይ ውልቂ ኣውቶቡሳት ደው ክብላ ምእዛዙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብከቢድ ሕጽረት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ተሃስዩ ምህላዉን፡ ነዊሕ ኪሎሜተራት ብኣጋርን መጽዓኛን ክንቀሳቀስ ተገዲዱ ምህላዉን፡ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሕቶታት ንከየልዕል፡ ብሕጽረት ማሕበራዊ ቀረባት ዝሳቀን፡ ብመዓልታዊ ሂወቱ ተኣሲሩ ዝነብርን ህዝቢ ንምግባሩ ከይተሓለለ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ምሃብን፡ ህዝባዊ ጠለባት ኣብ ምምላእን ንዝነበራ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ደው ከምዝብላ ድሕሪ ምግባሩ፡ ህዝቢ ንዝሓለፈ ዓመታት ብከቢድ ሕጽረት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክሳቀ ምጽንሑ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እተን ብጉጅለ ህግደፍ ዝውነና ኣውቶቡሳት ውን ምስ ዘለወን ውሑድ ቁጽሪ ህዝባዊ ሕቶ ዝምልስ እኩል ኣገልግሎት ክህባ ሰሪ ዘይምኽኣለንን፡ ቁጽረን ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውሕድ ምስ ምህላዉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ከኣ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ከኣ ብፍላይ፡ ነዊሕ ኪሎሜተራት ብእግሩ ክጓዓዝን፡ ናብ ጥንታዊ ዘመን ተመሊሱ ናይ መጽዓኛ ኣገልግሎት ከም መፍትሒ ክጥቀምን ተገዲዱ ምህላዉ”ዩ ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ነተን ኣብ ምቅላል ጸገም ህዝባዊ መጓዓዝያ ዓቢ እጃም ዝነበረን ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት፡ ግዚኤን ዝሓለፈን ንሓደጋ ዝተቃልዓ፡ ብዓቢኡ ከኣ ብታሪፍ ንህዝቢ ዝዕምጻ”የን ብዝብል ዕባራ ምክንያት፡ ካብ ኣገልግሎት ደው ክብላ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ፈቀዶ ጋራጃት ብደወን መሪተን ተጓሒፈን ምህላወን ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንዝፈጠሮ ሃጓፋት ዝዓብስ እኩል ቀረብ ህዝባውያን ኣውቶቡሳት ክቅርብ ሰሪ ዘይምካኣሉ፡ ህዝቢ ንሰሙናት ኣብ ሪጋ ተሰሪዑ ከቢድ ሃለዋት ከሕልፍን ብእግሩ ክጓዓዝን ይግደድ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ፡ ካብ ግላውያን ኣውቶቡሳት ዝረክቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ምሳኣኑ ከያኣክል፡ ብጉጅለ ህግደፍ ዝወሃቦ ቀረብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ውን ካብ ሓንቲ ኣውቶቡስ ንመዓልቲ ዘይሓልፍ ብምኳኑ፡ ኣብ ከቢድ ናይ ምንቅስቃስ ጸገማት ወዲቁ ምህላው ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ብፍላይ ነብሰጾራት ኣዴታትን ኣረጋውያንን ሰሪ ሕጽረት መጓዓዝያ ናብ ሞት ይቃልዑ ምህላዎም ውን”ዩ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ህዝቢ ዝተማለአ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እንተረኪቡ፡ ፖለቲካዊ ሕቶ ከልዕልን ህዝባዊ ተቃውሞ ከስምዕን ይክእል”ዩ ካብ ዝብል ከቢድ ስጋኣት ተበጊሱ፡ ጸረ ህዝቢ ዝኮኑ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ የዕሪፉ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ህዝቢ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሩኡይ ጸገማት ህዝባዊ መጓዓዝያ ውን ሪኡ ከምዘይረኣየ ክሓልፎ ይረአ ምህላዉ፡ ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ምኳኑን፡ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ምኳኑ ክትርዳእ ዝገብርን ምዃኑ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።