
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ዘየድሊ ወጻኢታት”ዩ ብምባል ንትካል ሰባኣዊ ረዲኤት USAID ምሉእ ብሙሉእ ደው ከብሎ ምውሳኑ፡ ሚልዮናት ዜጋታት ድካታት ሃገራት ናብ ስደት ንክውሕዙ ዘገድድ ሓደገኛ ውሳነ ምኳኑ፡ ባይቶ ስደተኛታት ዴንማርክ ገሊጹ።
ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምቁራጽ ሰባኣዊ ሓገዛት USAID፡ ኣብ ሂወት ሚሊዮናት ሰባት ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ከም ሳዕቤኑ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ዓለም ብዕጽፊ ክውስኽ ምዃኑን፡ ቁጽሪ ሓደሽቲ ስደተኛታት ውን ብዕጽፊ ክረብሕ ከምዝክእልን”ዩ ስጋኣቱ ገሊጹ ዝርከብ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ንወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እትህቦ ዝጸንሐት 83% ድጎማ ሰባኣዊ ሓገዝ ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ምውሳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ ንዓለማዊ ሰባኣዊ ቅልውላው ከጋድዶ ከምዝኽእልን፡ ቁጽሪ ስደት ውን ብተዓጻጻፊ ቁጽሪ ክብርኽ ከምዝገብርን”ዩ፡ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ዴንማርክ ዘጠንቅቕ።
እቲ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ሃንደበታዊ ምቁራጽ ድጎማ ሰባኣዊ ሓገዛት ሂወት ሚሊዮናት ደው ከብል ዝኽእል ሓደገኛ ውሳነ ምኳኑ ዘጠንቀቐ ኾይኑ፡ ብከቢድ ጸገማት ንዝተጠቅዐ ማሕበረሰባት፡ ካብ ዓመጽ፡ ጥሜትን ምዝንባልን ዝከላኸል ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ሃንደበት ደው ክብሉ ምእዛዝ፡ ሳዕቤኑ ቀሊል ክኸውን ከምዘይኮነ”ዩ ዝገልጽ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጥራሕ፡ 122.1 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውን ብወገኑ ካብ ሱዳን ተመዛቢሎም ኣብ ኣርባዕተ ጎረባብቲ ሃገራት ዕቝባ ንዝሓተቱ ተመዛበልቲ ክህቦ ዝጸንሐ ሓገዝ መግቢ ይውዳእ ምህላዉ ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን”ዩ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣመሪካ ካብ ሰባኣዊ ረዲኤት ኢዳ ክትስሕብ ጸዊዑ ዝርከብ።
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንትካላት ረድኤት ትህቦ ዝነበረት ገንዘባዊ ምወላታት ደው ክብል ብምእዛዙ ጥራሕ፡ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ሞት 14 ሚልዮን ሰባት ከኸትል ከምዝኽእል ላንሰት መዲካል ጆርናል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘቅረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከምዝገለጸ ጠቂስና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ናይ ሂወት ሓደጋ ክገጥሞም ካብ ዝክእል ኣስታት 14 ሚሊዮን ዜጋታት ዓለም፡ እቶም ሓደ ሲሶ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመኦም ህጻናትን ናጽላ ዕሸላትን ከምዝዀኑ ብምጥቃስ፡ ውሳነ ትራምፕ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኮነ ምግላጹ ኣይርሳዕን።